14 ታሕ 2025
ዕለታዊ ብርሃን, 15 ታሕሳስ: ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልእ ፆር ይፁር (ገላትያ 6:2)
ዕለታዊ ብርሃን
ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልእ ፆር ይፁር፤ በዙይ ከዓ ሕጊ ክርስቶስ ክትፍፅሙ ኢኹም።
ገላትያ 6:2
ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልኦት ጥቕሚውን እምበር፥ ናይ ባዕሉ ጥቕሚ ጥራሕ ኣይሕሰብ። ከምዙይ ከዓ እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበረ ሓሳብ፥ ኣባኻትኩምውን ይሃሉኹም። ... መልክዕ ባርያ ብምውሳድ።
ፊልጵስዩስ 2:4–5, 7
ወዲ ሰብ፥ ከገልግልን ህይወቱ ቤዛ ብዙሓት ክህብን እምበር፥ ከገልግልዎ ኣይመፀንሞ” በሎም።
ማርቆስ 10:45
እቶም ብህይወት ዝነብሩ፥ ነቲ ምእንትኣቶም ዝሞተን ዝተስአን እምበር፥ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፥ ክርስቶስ ምእንቲ ዅላቶም ሞተ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:15
ሽዑ ኢየሱስ ንሳ ኽትበኪ እንተላ፥ እቶም ምስኣ ዝመፁ ኣይሁድውን እናበኸዩ እንተለዉ ሪኡ፥ ብመንፈሱ የመና ሓዚኑ፥ ኢየሱስ ድማ ነብዐ።
ዮሃንስ 11:33, 35
ምስቶም ዝሕጐሱ ተሓጐሱ፤ ምስቶም ዝበኽዩ ብኸዩ።
ሮሜ 12:15
እምበኣር ተሳኒኹም ንበሩ፤ ተራሃራህቲ፥ ፍቕሪ ኣሕዋት ዘለኩም፥ ለዋሃትን ትሑታትን ኩኑ። ክፉእ ክንዲ ኽፉእ፥ ፀርፊ ኽንዲ ፀርፊ ኣይትመልሱ፤ እኳ ደኣ፥ በረኸት ምእንቲ ኽትወርሱ መርቑ፤ ነዙይ ኢኹም ዝተፀዋዕኹም እሞ።
1ይ ጴጥሮስ 3:8–9
ሎሚ ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ውፈር እሞ ስራሕ’ በሎ።
ማቴዎስ 21:28
ደጊም ውሉድ እምበር ባርያ ኣይኮንካን። ውሉድ ካብ ኮንካ ድማ፥ ብክርስቶስ ናይ እግዚኣብሄር ወራሲ ኢኻ።
ገላትያ 4:7
ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ሓጢኣት ከይትገብሩ ኸም ዝሞትኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ህያዋን ከም ዝኾንኩም ንርእስኹም ቍፀሩ። እምበኣር ንስጋዊ ድልየትኩም ምእንቲ ኸይትእዘዙ፥ ኣብዝ መዋቲ ስጋኹም፥ ሓጢኣት ኣይንገስ። ሞይቶም ከም ዝተስኡ፥ ርእስኹም ንእግዚኣብሄር ወፍዩ እምበር፥ ኣካላትኩም መሳርሒ ኽፍኣት ክኸውን፥ ንሓጢኣት ኣይትሃብዎ፤ ኣካላትኩምስ፥ መሳርሒ ፅድቂ ክኸውን፥ ንእግዚኣብሄር ደኣ ወፍይዎ።
ሮሜ 6:11–13
እዙዛት ውሉድ ከም ምዃንኩም፥ ከምቲ ቐደም፥ ብዘይፍልጠት እትገብርዎ ዝነበርኩም፥ ክፉእ ድሌትኩም ኣይትግበሩ። “ኣነ ቕዱስ እየ እሞ፥ ቅዱሳን ኩኑ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ ከምቲ እቲ ዝፀውዐኩም ቅዱስ ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን፥ ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳን ኩኑ።
1ይ ጴጥሮስ 1:14–15
ዝተቐደሰ፥ ንኣገልግሎት ጐይታኡ ዝጠቅም፥ ንዅሉ ሰናይ ግብሪ ዝተዳለወ ይኸውን።
2ይ ጢሞቴዎስ 2:21
ስለዙይ፥ ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ ፃዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኮነ ፈሊጥኩም ኢኹምሞ፥ ፅኑዓት፥ ዘይትነቓነቑ፥ ኵሉ ጊዜ ስራሕ ጐይታ ዝበዝሐልኩም ኩኑ።
1ይ ቆሮንቶስ 15:58
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ13 ታሕ 2025
2ይ ጢሞቴዎስ 2:1 · ቈላስይስ 1:11
12 ታሕ 2025
ሶፎንያስ 3:15 · ኢሳይያስ 41:10
11 ታሕ 2025
ሮሜ 14:16 · 1ይ ተሰሎንቄ 5:22
10 ታሕ 2025
ዮሃንስ 10:29 · 2ይ ጢሞቴዎስ 1:12
9 ታሕ 2025
ምሳሌ 21:3 · ሚክያስ 6:8
8 ታሕ 2025
ገላትያ 5:13 · ገላትያ 6:1–2






