12 ታሕ 2025
ዕለታዊ ብርሃን, 13 ታሕሳስ: በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ፀጋ በርትዕ (2ይ ጢሞቴዎስ 2:1)
ዕለታዊ ብርሃን
በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ፀጋ በርትዕ።
2ይ ጢሞቴዎስ 2:1
በቲ ኽቡር ሓይሉ፥ ብዙሕ ትዕግስትን ፅንዓትን ረኺብኩም።
ቈላስይስ 1:11
እምበኣር ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ተቐበልኩምዎ፥ ብእኡ ንበሩ፤ ኣብኡ ተመስሪትኩምን ተሃኒፅኩምን፥ ከምቲ ዝተምሃርኩምዎ ብእምነት ፅንዑ፤ ምስጋናውን ይብዝሐልኩም።
ቈላስይስ 2:6–7
ክንዲ ሓዘን ከዓ ዘይቲ ሓጐስ፥ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን፥ ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ።
ኢሳይያስ 61:3
ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝኾነ፥ መሰረት ነቢያትን ሃዋርያትን ዝተሃነፅኩም፥ ደጊም ንቕዱሳን ደቂ ዓዶም፥ ንእግዚኣብሄር ድማ፥ ቤተሰቡ ኢኹም እምበር፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ኣይኮንኩምን። እቲ ህንፃ ብምሉኡ፥ ዝተቐደሰ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ክኸውን፥ ብጐይታ እናተገጣጠመ ይዓቢ። ንስኻትኩምውን ብመንፈስ ቅዱስ መሕደሪ እግዚኣብሄር ክትኮኑ፥ ሓቢርኩም ብእኡ ትህነፁ ኣለኹም።
ኤፌሶን 2:20–22
ንእግዚኣብሄር ነቲ ኽሃንፀኩምን፥ ምስ ኵላቶም ቅዱሳን ርስቲ ኽህበኩምን ዝኽእል ቃል ፀጋኡ፥ ሓደራ እህበኩም ኣለኹ።
ግብሪ ሃዋርያት 20:32
ንኽብሪ እግዚኣብሄርን ንውዳሴኡን ከዓ፥ በቲ ኻብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ፥ ፍረ ፅድቂ ምእንቲ ኽትምልኡ፥ እፅሊ ኣለኹ።
ፊልጵስዩስ 1:11
ሰናይ ናይ እምነት ገድሊ ተጋደል።
1ይ ጢሞቴዎስ 6:12
በቶም ዝቃወሙኹም ኣይትደንግፁ፤ እዙይ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝኾነ።
ፊልጵስዩስ 1:28
ንስኻ ንዅሉ ኸም ግብሩ ኽትፈድዮ ኢኻሞ።
ዳዊት 62:12
ምኽንያቱ፥ ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፥ ንሱ ኸዓ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ካልእ መሰረት ክስርት ዝኽእል፥ ሓደኳ የለንሞ። እቲ ኣብ መሰረት ሃኒፁ፥ ስራሑ ዝፀንዐሉ ሰብ፥ ዓስቡ ኽቕበል እዩ። ስራሑ ዝተቓፀሎ ሰብ ግና፥ ዓስቡ ኽስእን እዩ፤ እንተ ኾነ ንሱ ኽድሕን እዩ፤ ግና ኸምቲ ብሓዊ ሓሊፉ ዝድሕን ሰብ እዩ ዝድሕን።
1ይ ቆሮንቶስ 3:11, 14–15
ነፍሲ ወከፍና፥ ነቲ ብስጋዊ ህይወቱ እንተሎ ንዝገበሮ ሰናይ ኮነ ወይ ክፉእ፥ ዓስቢ ምእንቲ ኽቕበል፥ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ፥ ግድን ክንቀርብ ኢናሞ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:10
ንስኻ ግና ኽትምፅውት እንተለኻ፥ የማነይትኻ እትገብሮ ፀጋመይትኻ ኣይትፍለጦ፤ ምፅዋትካ ብሕቡእ ይኹን፤ እቲ ብስዉር ዝርኢ ኣቦኻ፥ ብገሃድ ክፈድየካ እዩ እሞ።
ማቴዎስ 6:3–4
ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ፥ ጐይታ እቶም ኣገልገልቲ መፂኡ ኽፀባፀቦም ጀመረ።
ማቴዎስ 25:19
ዝኾነ ነገር ንምግባር፥ ብቕዓት ዝሃበና እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካብ ባዕልና ዝኾነ ብቕዓት የብልናን።
2ይ ቆሮንቶስ 3:5
ንዅሉ ተግባርና እትፍፅመልና ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ ሰላም እትህበና ንስኻ ኢኻ።
ኢሳይያስ 26:12
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ11 ታሕ 2025
ሮሜ 14:16 · 1ይ ተሰሎንቄ 5:22
10 ታሕ 2025
ዮሃንስ 10:29 · 2ይ ጢሞቴዎስ 1:12
9 ታሕ 2025
ምሳሌ 21:3 · ሚክያስ 6:8
8 ታሕ 2025
ገላትያ 5:13 · ገላትያ 6:1–2
7 ታሕ 2025
2ይ ቆሮንቶስ 5:21 · ኢሳይያስ 53:6
6 ታሕ 2025
ፊልጵስዩስ 2:13 · 2ይ ቆሮንቶስ 3:5






