7 ታሕ 2025
ዕለታዊ ብርሃን, 8 ታሕሳስ: ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልእ ፆር ይፁር (ገላትያ 6:1–2)
ዕለታዊ ብርሃን
ብፍቕሪ ከም ባሮት ኮኑ።
ገላትያ 5:13
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ሓደ ሰብ ኣብ ሓጢኣት እንተ ተረኽበ፥ መንፈሳውያን ዝኾንኩም ንስኻትኩም፥ ነዝ ኸምዙይ ዝበለ ሰብ፥ ብለውሃት መንፈስ ምለስዎ። ንስኻውን ከምኡ ኸይትፍተን፥ ንባዕልኻ ተጠንቀቕ። ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልእ ፆር ይፁር፤ በዙይ ከዓ ሕጊ ክርስቶስ ክትፍፅሙ ኢኹም።
ገላትያ 6:1–2
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ረሓቐ፥ ሓደ ኸዓ እንተ መለሶ፥ እቲ ንሓጥእ ካብ መንገዲ ጌጋኡ ዝመልሶ፥ ንነፍሱ ድማ ኻብ ሞት ከም ዘድሓና፥ ብዙሕ ሓጢኣትውን ክሕደገሉ ኸም ዝገበረ ይፍለጥ።
ያእቆብ 5:19–20
ንሓቂ ብምእዛዝኩም፥ ግብዝና ንዘይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት፥ ነፍስኹም ስለ ዘፅረኹም፥ ብምሉእ ልብኹም ንስንሳትኩም ተፋቐሩ።
1ይ ጴጥሮስ 1:22
እንትርፊ ንስንሳትኩም ምፍቓር፥ ምስ ሓደኳ ኻልእ ዕዳ ኣይሃሉኹም፤ እቲ ንብፃዩ ዘፍቅር፥ ንሕጊ ፈፂምዎ እዩ እሞ።
ሮሜ 13:8
ኣብ ንስንሳትኩም፥ ልባዊ ዝኾነ ፍቕሪ ኣሕዋት ይሃሉኹም፤ ንስንሳትኩም ክትከባበሩ ድማ ተቐዳደሙ።
ሮሜ 12:10
ተኣዘዝዎም። “እግዚኣብሄር ንዕቡያት ይቃወሞም፤ ንትሑታት ግና ፀጋ ይህቦም።” ከም ዝብል፥ ትሕትና ለቢስኩም፥ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል።
1ይ ጴጥሮስ 5:5
ንሕና ብእምነት ዝፀናዕና፥ ነቶም ብእምነት ዘይፀንዑ ኣሕዋትና፥ ክንድግፎም ደኣ እምበር፥ ንባዕልትና ጥራሕ ክነሐጕስ፥ ኣይግብአናን እዩ።
ሮሜ 15:1
ሓመድ ድማ ናብቲ ዝነበሮ ምድሪ እንተይተመለሰ፥ መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ እግዚኣብሄር እንተይተመለሰ።
መክብብ 12:7
ብዝብስብስ ይዝራእ፤ ... ብውርደት ይዝራእ፤ ... ብድኻም ይዝራእ፤ ... ስጋዊ ኣካል ይዝራእ።
1ይ ቆሮንቶስ 15:42–44
እቲ ቐዳማይ ሰብ፥ ካብ መሬት ስለ ዝኾነ መሬታዊ እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 15:47
ናብ መሬት ከዓ ኽትምለስ ኢኻ” በሎ።
ዘፍጥረት 3:19
ገሊኡ ሰብ ምሉእ ሓይሊ እንተለዎ፥ ህዱእን ሕጉስን እንተሎ ይመውት፤ ገሊኡ ሰብ ድማ ዝኾነ ሰናይ እንተይጠዓመ፥ ገና መሪርዎ እንተሎ ይመውት። ኣብ ውሽጢ ሓመድ ሓቢሮም ይድቅሱ፤ ሓሰኻ ድማ ይኸድኖም።
ኢዮብ 21:23, 25–26
ስጋይውን ብተስፋ ትሓድር።
ዳዊት 16:9
እዝ ቘርበተይ ምስ ጠፍአውን፥ ሽዑ ካብ ስጋይ ተፈልየ ንእግዚኣብሄር ክሪኦ እየ።
ኢዮብ 19:26
መድሓኒናን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንፅበ ኣለና። ንሱ በቲ ንዅሉ ኽመልከሉ ዝከኣሎ ሓይሊ፥ ነዝ ዝተዋረደ ሰብነትና ለዊጡ፥ ነቲ ኽቡር ሰብነቱ ኸምስሎ እዩ።
ፊልጵስዩስ 3:20–21
“ኦ ጐይታ፥ መወዳእታይ ኣፍልጠኒ፤ ፍፃመይን ቍፅሪ መዋእለይን ክንደይ ምዃኑ ኣፍልጠኒ” ድማ በልኩ።
ዳዊት 39:4
ጥበብ ብልቢ ምእንቲ ኽንመሃር፥ የማንካ ኸምዙይ ኣፍልጠና።
ዳዊት 90:12
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ6 ታሕ 2025
ፊልጵስዩስ 2:13 · 2ይ ቆሮንቶስ 3:5
5 ታሕ 2025
ዳዊት 119:71 · ዕብራውያን 5:8
4 ታሕ 2025
ኢዮብ 28:12 · ያእቆብ 1:5–6
3 ታሕ 2025
ኢዮብ 5:8 · ዘፍጥረት 18:14
2 ታሕ 2025
1ይ ዮሃንስ 2:20 · ግብሪ ሃዋርያት 10:38
1 ታሕ 2025
ኢሳይያስ 32:2 · ዕብራውያን 2:14






