ዕለታዊ ብርሃን, 5 ታሕሳስ: ስርዓትካ ምእንቲ ኽመሃር፥ እቲ ዘጨነቕካኒ ፅቡቕ ኮነለይ

ዕለታዊ ብርሃን

መዓልታዊ ብርሃን
ኩሉ ጽሑፋት

ስርዓትካ ምእንቲ ኽመሃር፥ እቲ ዘጨነቕካኒ ፅቡቕ ኮነለይ።

ውሉድ እኳ እንተ ኾነ፥ በቲ ዝተቐበሎ መከራ ተኣዛዚ ምዃን ተምሃረ።

ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ መከራ እንተ ተቐቢልና፥ ምስኡውን ክንከብር ኢና። ስቓይ እዝ ዘመን እዙይ፥ ምስቲ ኣባና ኽግለፅ ዝመፅእ ዘሎ ኽብሪ እንትነፃፀር፥ ከም ዘይመጣጠን እቘፅሮ ኣለኹ።

ንሱ ግና ኣነ በየነይቲ መንገዲ ኸም ዝኸይድ ይፈልጥ እዩ፤ ምስ ፈተነኒውን ከም ወርቂ ፅሩይ ኮይነ ኽወፅእ እየ። ኣእጋረይ ብመንገዱ ፀንዓ፤ መንገዱውን ሓለኹ፤ ካብኡውን ኣየግለስኩን።

እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ በዘን ኣርብዓ ዓመታት ኣብ ምድረ በዳ ዝመርሐኩም፥ ትእዛዛቱ ትሕልዉ እንተ ዄንኩም ወይ ዘይትሕልዉ እንተ ዄንኩም፥ ኣብ ልብኹም ዘሎ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ክፍትነኩም ኢሉ ብመከራ ኸም ዘሕለፈኩም ዘክሩ። ሰብ ንውሉዱ ኸም ዝግስፅ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኸምኡ ኸም ዝግስፀኩም ብልብኹም ዘክሩ። “እምበኣር ብመንገዱ ብምኻድን ንእኡ ብምፍራሕን፥ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሓልዉ።

ሰብ ብሓይሉ ኣይስዕርን እዩሞ።

ዳዊት ከዓ ነቲ ፍልስጥኤማዊ፦ “ንስኻ ብሰይፍን ብዂናትን ብመዝረቕን ትመፀኒ ኣለኻ። ኣነ ግና ብስም እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ በቲ ንስኻ እተባጭወሉ ዘለኻ ኣምላኽ ሰራዊት እስራኤል፥ እመፀካ ኣለኹ። ዳዊት ድማ ኢዱ ናብቲ ሳንጣ ኣእትዩ፥ ካብኣ እምኒ ወሲዱ ወንጨፈ፤ ... በዝ ኸምዙይ፥ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ብወንጭፍን ብእምንን ሰዒሩ።

ንጉስ ብብዝሒ ሰራዊቱ ኣይድሕንን፤ ሓያልውን ብብርትዐ ሓይሉ ኣየምልጥን። እንሆ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብቶም ዝፈርሕዎ እየን፤ ብምሕረቱውን ናብ ዝእመንኦ እየን።

ሃብትን ክብረትን ካባኻ እየን፤ ንስኻ ድማ ንዅሉ ትገዝእ፤ ሓይልን ስልጣንን ከዓ ኣብ ኢድካ እዩ፤ ንዅሉ ሰብ ዕቤትን ፅንዓትን እትህብ ንስኻ ኢኻ።

ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኽሓድር፥ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ። እንትደክም፥ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፥ ብፀርፊ፥ ብሓሳር፥ ብስደት፥ ብመከራ እሕጐስ ኣለኹ።

ብሰውራዊ ኣእምሮ ተተርጒሙ፣ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተኣቲቶም — ዝኾነ ኣገናዕቲ ክፈቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ንኽትንብቡ።

© Bible Society of Ethiopia

ፎቶ ብኣህመት ዩክሰክ ✪ ኣብ Unsplash (https://unsplash.com/photos/hazy-mountain-peaks-at-sunrise-or-sunset-jUZUTcnJoQw)

ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።