ዕለታዊ ብርሃን, 1 ታሕሳስ: ሰብ ድማ ኻብ ንፋስ ከም መኸወሊ፥ ካብ ንፋስ ኣውሎ ኸም መፀግዒ

ዕለታዊ ብርሃን

መዓልታዊ ብርሃን
ኩሉ ጽሑፋት

ሰብ ድማ ኻብ ንፋስ ከም መኸወሊ፥ ካብ ንፋስ ኣውሎ ኸም መፀግዒ፥ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት።

እቶም ውሉድ፥ ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰባት ስለ ዝኾኑ፥ ኢየሱስውን ከምኣቶም ሰብ ኮነ፥ እዙይ ከዓ ብሞቱ።

ኦ ሰይፊ፥ ኣንፃር ጓሳይን እቲ ፈታዊየይ ዝኾነ ሰብን ተስእ።

ኣነን ኣብን ሓደ ኢና” ኢሉ መለሰሎም።

ኣብ ፀግዒ እቲ ልዑል ዝሓድር፥ ኣብ ውሽጢ ፅላል እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ይነብር።

እዙይ ከዓ ብመዓልቲ ኻብ ሃሩር መፅለሊ፥ ካብ ዝናምን ካብ ኣውሎ ንፋስን ንመፀግዕን መሕብኢን ስፍራ ክኸውን እዩ።

እግዚኣብሄር ብየማናይ ኢድካ ኽጋርደካ እዩ። ፀሓይ ብመዓልቲ ኣየቃፅለካን፤ ብለይቲ እውን ወርሒ።

ካብ ወሰን ምድሪ ናባኻ አእዊ ኣለኹ፤ ኣብ ልዕሊ እምኒ ልዕል ልዕል ኣበልካኒ።

ንስኻ መሕብእየይ ኢኻ፤ ካብ መከራ ትሕልወኒ።

ንስኻ ንድኻ ዕርዲ፥ ንፅጉም ኣብ መከራኡ መፀግዒ፥ ካብ ፀፍዒ መዕቐሊ፥ ካብ ሃሩር መፅለሊ ኾንካ፤ እስትንፋስ ቍጥዓ ጨካናት፥ ከምቲ ንመንደቕ ዝወቅዕ ማዕበል እዩ እሞ።

“እንሆ፥ ኣነ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥር እየሞ።

“ኣነ ዝገብሮም ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ንሓዋሩ ፀኒዖም ከም ዝነብሩ፥ ከምኡ ዘርእኹምን ስምኩምን ኣብ ቅድመይ ፀኒዖም ክነብሩ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።

ንሕና ግና ኸምቲ ዘተስፈወና፥ ፅድቂ ዝነብረሉ፥ ሓድሽ ሰማይን፥ ሓዳስ ምድርን፥ ንፅበ ኣለና።

ብድሕሪዙይ፥ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ረአኹ። እቲ ቐዳማይ ሰማይን፥ እታ ቐዳመይቲ ምድርን፥ ሓሊፎም እዮም እሞ፥ ባሕሪ እውን ደጊም ኣይህሉን። እታ ቕድስቲ ኸተማ፥ እታ ሓዳስ ኢየሩሳሌም፥ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም ዝተሸለመት መርዓት ተዳልያ፥ ካብ ሰማይ ካብ እግዚኣብሄር፥ ክትወርድ እንተላ ረአኽዋ። ካብቲ ዙፋን ድማ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ “ደጊም መሕደሪ እግዚኣብሄር ምስ ሰብ ኮነ፥ ምስኣቶምውን ክነብር እዩ። ንሳቶም ህዝቡ ክኾኑ እዮም፥ እግዚኣብሄር ባዕሉ ምስኣቶም ክነብር፥ ኣምላኾምውን ክኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ከዓ፥ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ክሕብስ እዩ። እቲ ቐዳማይ ስርዓት ሓሊፉ እዩ፤ እንሆ ዅሉ ተሓዲሱ እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይህሉን እዩ” እንትብል ሰማዕኹ። እቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ፥ “እንሆ፥ ኣነ ንዅሉ ሓድሽ ክገብሮ እየ” በለ።

ብሰውራዊ ኣእምሮ ተተርጒሙ፣ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተኣቲቶም — ዝኾነ ኣገናዕቲ ክፈቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ንኽትንብቡ።

© Bible Society of Ethiopia

ፎቶ ብኣህመት ዩክሰክ ✪ ኣብ Unsplash (https://unsplash.com/photos/hazy-mountain-peaks-at-sunrise-or-sunset-jUZUTcnJoQw)

ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።

ናይ ቀረባ መዓልታት

ኩሉ ርአ