ዕለታዊ ብርሃን, 25 ሕዳር: ቀደም ባሮት ሓጢኣት እኳ እንተ ነበርኩም (ሮሜ 6:18)

ዕለታዊ ብርሃን

መዓልታዊ ብርሃን
ኩሉ ጽሑፋት

ቀደም ባሮት ሓጢኣት እኳ እንተ ነበርኩም፥ ነቲ ብሕድሪ ዝተውሃበኩም ትምህርቲ ኻብ ልቢ ስለ ዝተኣዘዝኩምዎ፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂእኹም፥ ንፅድቂ ስለ ዝተገዛእኹም፥ እግዚኣብሄር ዝተመስገነ ይኹን።

እምበኣር ንእግዚኣብሄርን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።

ባሮት ሓጢኣት ኣብ ዝነበርኩምሉ ጊዜ፥ ፅድቂ ካብ ምስራሕ ሓራ ኔርኩም። ካብቲ ሕዚ እትሓፍሩሉ ዘለኹም ነገራት፥ እንታይ ኣፍረኹም? መወዳእታ ናይቲ ነገራት እቱይ፥ ሞት እዩ እሞ። ሕዚ ግና፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂእኹም፥ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝተገዛእኹም፥ ቅድስና ኣፍሪኹም ኣለኹም። መወዳእታኡ ኸዓ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።

ዝኣምን ኵሉ ምእንቲ ኽፀድቕ፥ ክርስቶስ ናይ ሕጊ ፍፃሜ እዩ።

እቲ ኸገልግለኒ ዝደሊ ይከተለኒ፤ እቲ ዘገልግለኒ ኸዓ፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ ኽነብር እዩ። ነቲ ዘገልግለኒውን፥ ኣብ ከኽብሮ እዩ።

ኣርዑተይ ፁሩ፤ ካባይውን ተምሃሩ፤ ኣነ የዋህ እየ፤ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ፥ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ኣርዑተይ ልዙብ፥ ፆረይውን ቀሊል እዩ እሞ።”

ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ብዘይ ንስኻ፥ ካልኦት ጐይቶት ገዚኦምና ነይሮም፤ ንሕና ግና ስምካ ጥራሕ ኢና እንዝክር።

ንልበይ ምስ ኣስፋሕኻዮ፥ ብመንገዲ ትእዛዛትካ ጐየኹ።

ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ ድማ፥ ክድሕን እዩ።’

ንሱ ኸዓ፥ ከም ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ገፅ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝበለ ርኽሰት ብምግባር ... ንጣዖት በዓል ከዓ መሰውኢታት ኣቖመ፤ ... ኣብ ውሽጢ ኽልቲኡ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ንዅሎም ሰራዊት ሰማይ ዘምልኹሉ መሰውኢታት ሰርሐሎም። ንወዱ ኸዓ ብሓዊ ኽሓልፍ ገበሮ፤ ይጥንቍልን የማርትን ድማ ነበረ። መናፍስቲ ምዉታት ዝፅውዑን መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ሰባት ከዓ ኣከበ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ብምግባሩ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዖ።

ዓቕሉ ምስ ፀበቦ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፀለየ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቦታቱውን የመና ርእሱ ኣዋረደ። ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፤ እግዚኣብሄር ድማ ራህርሀሉ፤ ፀሎቱውን ሰምዖ።

“እምበኣር ንዑ፤ ንዋቐስ” ይብል እግዚኣብሄር “ሓጢኣትኩም ከም ጁዅ እኳ እንተ ቐይሐ፥ ከም በረድ ከፃዕድዎ እየ። ከም ደም እንተ ቐይሐውን፥ ከም ፃዕዳ ፀምሪ ክኸውን እዩ።

ጐይታስ፥ ... ምእንታኻትኩም ይዕገስ ኣሎ እምበር፥ ከምቲ ንገሊኣቶም ዝድንጕ ዝመስሎም።

ብሰውራዊ ኣእምሮ ተተርጒሙ፣ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተኣቲቶም — ዝኾነ ኣገናዕቲ ክፈቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ንኽትንብቡ።

© Bible Society of Ethiopia

ፎቶ ብኣህመት ዩክሰክ ✪ ኣብ Unsplash (https://unsplash.com/photos/hazy-mountain-peaks-at-sunrise-or-sunset-jUZUTcnJoQw)

ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።

ናይ ቀረባ መዓልታት

ኩሉ ርአ