ዕለታዊ ብርሃን, 23 ሕዳር: እቲ ዝሰምዐኒ ግና ብደሓን ይነብር፤ ንኽፉእ እንተይፈርሐ ድማ

ዕለታዊ ብርሃን

መዓልታዊ ብርሃን
ኩሉ ጽሑፋት

እቲ ዝሰምዐኒ ግና ብደሓን ይነብር፤ ንኽፉእ እንተይፈርሐ ድማ፥ ብዘይ ስግኣት ክነብር እዩ።

ኦ ጐይታ፥ ንዅሉ ውሉድ ወለዶ መፀግዒ ኾንካና።

ኣብ ፀግዒ እቲ ልዑል ዝሓድር፥ ኣብ ውሽጢ ፅላል እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ይነብር።

ሓቂ ኸም ዋልታ ክኸበካ እዩ።

ህይወትኩምውን ምስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ተሰዊሩ ኣሎሞ።

ዝነኽአኩም ብሌን ዓይኑ ዝነክእ እዩሞ።

ፅንዑ፤ ነቲ እግዚኣብሄር ሎሚ ዝገብረልኩም ምድሓን ርአዩ። ... እግዚኣብሄር ክዋግአልኩም እዩ እሞ ህድኡ በሎም።

ኣምላኽና መዕቘቢናን ሓይልናን፥ ብዝረኸበና ብርቱዕ መከራውን ረዳኢና እዩ። ስለዙይ ምድሪ እንተ ተናወፀት።

ኢየሱስ ግና ሽዑ “ኣይዞኹም ኣይትፍርሑ ኣነ እየ” በሎም።

እንታይ ኴንኩም ኢኹም እትድንግፁ? ከምዙይ ዝበለ ሓሳብከ፥ ስለ ምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዓዓል? ኣነ ባዕለይ ምዃነይ፥ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ረአዩ፤ ከምዝ ኣባይ እትሪእዎ ዘለኹም፥ ንመንፈስ ስጋን ዓፅምን የብሉን እሞ፥ ዳህሲስኩም ረአዩኒ በሎም።

ኣይሓፍርን እየ። ንሱ ኸዓ ነቲ ዝሃብክዎ ሕድሪ፥ ክሳዕ እታ መዓልቲ ጐይታ ኽሕልወለይ ከም ዝኽእል ርግፀኛ እየ።

ኢየሱስ ድማ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነትን።

ክርስቶስ ግና፥ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዝኸውን መስዋእቲ፥ ምእንቲ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ተቐመጠ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ፥ እቶም ፀላእቱ፥ መርገፂ እግሩ ኽሳዕ ዝኾኑ ይፅበ ኣሎ።

ወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ እግዚኣብሄር ተቐሚጡ፥ ብደመና ሰማይ ክመፅእ እንተሎ፥ ክትሪእዎ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ በሎ።

ንዅሎም ፀላእቱ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኽሳዕ ዝገብሮም ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ።

ግና ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ክነሸንፍ ዝገበረና እግዚኣብሄር፥ ምስጋና ይኹኖ።

እቲ ንክርስቶስ ካብ ሞት ዘተስአሉን፥ ኣብ ሰማያት ኣብ የማኑ ዘቐመጠሉን ሓይሉ እዩ። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኣብታ እትመፅእ ዓለምውን፥ ኣብ ልዕሊ ግዝኣትን ስልጣንን ሓይልን ምልክን ሸይሙ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዝፅዋዕ ስም ሃቦ። ንዅሉ ኸዓ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዝኦ። ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ገይሩውን፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሸሞ። ንሳ ኣካሉ እያ፤ ንኣኣን ንዅሉን ዝመልእ፥ ናቱ ምልኣቱ እያ።

ነዙይ ጊዜኡ ምስ በፅሐ እግዚኣብሄር ክገልፆ እዩ፤ ንሱ ብፁእ፥ በይኑ ንዅሉ ዝገዝእ፥ ንጉስ ነገስታት፥ ጐይታ ጐይቶት።

ብሰውራዊ ኣእምሮ ተተርጒሙ፣ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተኣቲቶም — ዝኾነ ኣገናዕቲ ክፈቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ንኽትንብቡ።

© Bible Society of Ethiopia

ፎቶ ብኣህመት ዩክሰክ ✪ ኣብ Unsplash (https://unsplash.com/photos/hazy-mountain-peaks-at-sunrise-or-sunset-jUZUTcnJoQw)

ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።

ናይ ቀረባ መዓልታት

ኩሉ ርአ