21 ሕዳ 2025
ዕለታዊ ብርሃን, 22 ሕዳር: ንርእስኹም እናሃነፅኩም፥ ብመንፈስ ቅዱስ ፀልዩ (ይሁዳ 1:20)
ዕለታዊ ብርሃን
ንርእስኹም እናሃነፅኩም፥ ብመንፈስ ቅዱስ ፀልዩ።
ይሁዳ 1:20
ኣብ ከዓ ኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዝደሊ፤ እግዚኣብሄር መንፈስ እዩ፤ እቶም ዝሰግዱሉ ድማ፥ ብመንፈስን ብሓቅን ክሰግዱሉ ይግባእ” በላ።
ዮሃንስ 4:24
ብሓደ መንፈስ፥ ናብ ኣብ እንኣቱ ኢና እሞ።
ኤፌሶን 2:18
እዛ ፅዋዕ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ! ግና ኸም ናተይ ፍቓድ ዘይኮነስ፥ ከም ናትካ ፍቓድ ይኹን! በለ።
ማቴዎስ 26:39
መንፈስ [ቅዱስ] ብድኻምና ይሕግዘና እዩ፤ ከመይ ጌርና ኽንፅሊ ኸም ዝግብአና፥ ኣይንፈልጥን ኢና፤ ስለዙይ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዝማልደልና። እቲ ልቢ ዝምርምር እግዚኣብሄር፥ ናይ መንፈስ [ቅዱስ] ሓሳብ እንታይ ከም ዝኾነ ይፈልጦ እዩ፤ መንፈስ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ምእንቲ ቕዱሳን ይማልድ እዩ እሞ።
ሮሜ 8:26–27
ከምቲ ፍቓዱ ጌርና፥ ዝኾነ ነገር እንተ ለመንናዮ፥ ከም ዝሰምዐና ስለ እንፈልጥ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትብዓት ኣለና።
1ይ ዮሃንስ 5:14
እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መፀ ግና፥ ናብ ኵሉ ሓቂ ኽመርሐኩም እዩ።
ዮሃንስ 16:13
ብኹሉ ፀሎትን ብልመናን ኵልሻዕ ብመንፈስ ፀልዩ። ምስ እዙይውን፥ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብፀሎት ትግሁ።
ኤፌሶን 6:18
“ኦም ተስፋ ኣለዎሞ፥ እንተ ተቘርፀ እኳ መሊሱ ይጥጥዕ፤ ውልዶታቱውን ኣይውዳእን።
ኢዮብ 14:7
ቅጥቁጥ ሻምብቆ ኣይሰብርን።
ኢሳይያስ 42:3
ንነፍሰይ መለሳ።
ዳዊት 23:3
ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ምጕሃይ፥ ናብ ድሕነት ዘብፅሕ ንስሃ የስዕብ፤ ኣየናስሕን ከዓ እዩ፤ ጓሂ ዓለም ግና፥ ሞት የስዕብ እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 7:10
ኵሉ ቕፅዓት፥ ንጊዜኡ የሕዝን እምበር ኣየሐጕስን እዩ፤ ብትዕግስቲ ንዝተቐበልዎ ግና፥ ንሓዋሩ ሰላም ዝመልኦ፥ ናይ ፅድቂ ፍረ እዩ ዘፍርየሎም።
ዕብራውያን 12:11
ቅድሚ ምጭናቐይ ሰሓትኩ፤ ሕዚ ግና ቓልካ እሕሉ ኣለኹ።
ዳዊት 119:67
“እዝ ዅሉ ዝበፅሐና ብሰንኪ ኽፉእ ስራሕናን ብሰንኪ ብዙሕ በደልናን እዩ፤ ንስኻ ኣምላኽና ግና፥ ከም ብዝሒ በደልና ኣይቐፃዕኻናን፤ እኳ ድኣ ተረፍ ሃብካና እምበር።
እዝራ 9:13
ኣቲ ፀላኢተይ፥ እንተ ወደቕኩ ኽትስእ፥ ኣብ ፀልማት እንተ ተቐመጥኩውን እግዚኣብሄር ብርሃነይ እዩ እሞ፥ ብኣይ ኣይትተሓጐሲ። ... ንቝጥዓኡ ኽዕገስ እየ። ናብ ብርሃን ከውፅአኒ እዩ፤ ፅድቁውን ክርኢ እየ።
ሚክያስ 7:8–9
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ20 ሕዳ 2025
ሚክያስ 7:8 · ኢሳይያስ 43:2–3
19 ሕዳ 2025
ማቴዎስ 7:20 · 1ይ ዮሃንስ 3:7
18 ሕዳ 2025
ኢሳይያስ 27:8 · 2ይ ሳሙኤል 24:14
17 ሕዳ 2025
ዳዊት 92:5 · ቈላስይስ 1:9
16 ሕዳ 2025
ዮሃንስ 17:17 · ዮሃንስ 15:3
15 ሕዳ 2025
1ይ ቆሮንቶስ 1:9 · ዕብራውያን 10:23






