15 ሕዳ 2025
ዕለታዊ ብርሃን, 16 ሕዳር: በቲ ሓቅኻ ቐድሶም፤ ቃልካ ሓቂ እዩ (ዮሃንስ 17:17)
ዕለታዊ ብርሃን
በቲ ሓቅኻ ቐድሶም፤ ቃልካ ሓቂ እዩ።
ዮሃንስ 17:17
ንስኻትኩም፥ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል፥ ድሮ ንፁሃት ኢኹም።
ዮሃንስ 15:3
ቃል ክርስቶስ ብምልኣት ይሕደርኩም።
ቈላስይስ 3:16
መንእሰይ መንገዱ ብምንታይ የንፅህ? ቃልካ ብምሕላው እዩ። ብምሉእ ልበይ ደለኹኻ፤ ካብ ትእዛዝካ ኣይተርሕቐኒ።
ዳዊት 119:9–10
ጥበብ ናብ ልብኻ ኽትኣቱ እያ፤ ፍልጠትካውን ንነፍስኻ ኽተሐጕሳ እያ። ምኽሪ ኽትሕልወካ፥ ምስትውዓል ድማ ኸተዕቝበካ እያ።
ምሳሌ 2:10–11
ኣእጋረይ ብመንገዱ ፀንዓ፤ መንገዱውን ሓለኹ፤ ካብኡውን ኣየግለስኩን። ካብ ትእዛዝ ከንፈሩውን ኣይተመለስኩን፤ ካብ ኵሉ ሃብተይ ኣብሊፀ፥ ንቓል ኣፉ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።”
ኢዮብ 23:11–12
ምስክርነትካ ስለ ዘስተንትን፥ ካብ ኵሎም ዝመሃሩኒ ዝበለፀ ኣስተውዓልኩ።
ዳዊት 119:99
ስለዙይ ኢየሱስ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኣይሁድ “ንስኻትኩም ብቓለይ እንተ ፀኒዕኹም፥ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም። ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፤ እታ ሓቂውን፥ ሓራ ኽተውፅአኩም እያ” በሎም።
ዮሃንስ 8:31–32
እምበኣር ንስኻትኩም፥ ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝኾነ፥ መሰረት ነቢያትን ሃዋርያትን ዝተሃነፅኩም፥ ደጊም ንቕዱሳን ደቂ ዓዶም፥ ንእግዚኣብሄር ድማ፥ ቤተሰቡ ኢኹም እምበር፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ኣይኮንኩምን።
ኤፌሶን 2:19
ንስኻትኩም ግና ናብ እምባ ፅዮንን፥ ናብታ ኸተማ ህያው እግዚኣብሄር ዝኾነት ሰማያዊት ኢየሩሳሌምን፥ ናብቶም ብሓጐስ ዝተኣከቡ ኣእላፋት ዝኾኑ መላእኽትን፥ ናብታ በቶም ኣብ ሰማያት ስሞም ዝተፅሓፈ፥ በዅሪ ዝኾኑ ዝቖመት ቤተ ክርስቲያንን፥ ናብቲ ንዅሉ ዝፈርድ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ነፍሳት እቶም ፍፁማን ዝኾኑ ፃድቃንን፥ በፂሕኹም ኢኹም።
ዕብራውያን 12:22–23
እዚኣቶም ኵላቶም ኣብ እምነቶም ፀኒዖም ሞቱ። ነታ እግዚኣብሄር ዘተስፈዎምውን ኣይረኸብዋን፤ ግና ብርሑቕ ሪኦም ተሳለምዋ፤ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም፥ ቅቡል ገይሮምዎውን ሓለፉ።
ዕብራውያን 11:13
ንሕና ግና፥ ሃገርና ኣብ ሰማይ እዩ፤ ካብኡ ንዝመፅእ፥ መድሓኒናን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንፅበ ኣለና። ንሱ በቲ ንዅሉ ኽመልከሉ ዝከኣሎ ሓይሊ፥ ነዝ ዝተዋረደ ሰብነትና ለዊጡ፥ ነቲ ኽቡር ሰብነቱ ኸምስሎ እዩ።
ፊልጵስዩስ 3:20–21
በቲ ግደ ርስቲ ቕዱሳን ... ንሱ፥ ካብ ናይ ፀልማት ስልጣን ኣውፅአና፤ ናብታ መንግስቲ ፍቑር ወዱውን ኣእተወና።
ቈላስይስ 1:12–13
ኣጋይሽን ስደተኛታትን ስለ ዝኾንኩም፥ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዝዋጋእ፥ ስጋዊ ፍትወት ረሓቑ እናበልኩ፥ እልምነኩም ኣለኹ።
1ይ ጴጥሮስ 2:11
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ14 ሕዳ 2025
ዳዊት 40:17 · ዳዊት 37:23–24
13 ሕዳ 2025
ኤፌሶን 5:25–26 · ኤፌሶን 5:2
12 ሕዳ 2025
2ይ ቆሮንቶስ 7:10 · ማቴዎስ 26:75
11 ሕዳ 2025
ዳዊት 78:53 · ምሳሌ 8:20
10 ሕዳ 2025
ቈላስይስ 1:10 · ሮሜ 12:1–2
9 ሕዳ 2025
ዳዊት 89:19 · ኢሳይያስ 43:11






