8 ሕዳ 2025
ዕለታዊ ብርሃን, 9 ሕዳር: ረድኤት ኣብ ልዕሊ ሓያል ኣንበርኩ (ዳዊት 89:19)
ዕለታዊ ብርሃን
ረድኤት ኣብ ልዕሊ ሓያል ኣንበርኩ፤ ነቲ ዝተመረፀ ኻብ ህዝበይ ልዕል ልዕል ኣበልክዎ።
ዳዊት 89:19
“ኣነ፥ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ብዘይ ዘኣይ ዘድሕን የለን።
ኢሳይያስ 43:11
እግዚኣብሄር ሓደ እዩ፤ እቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ሰብን ዘሎ መተዓረቒ ድማ፥ ሓደ እዩ፤ ንሱ ኸዓ፥ እቲ ሰብ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
1ይ ጢሞቴዎስ 2:5
ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንደቂ ሰብ ኣይተውሃበን እዩሞ፥ ድሕነት ብኻልእ ከቶ የለን።”
ግብሪ ሃዋርያት 4:12
ኣቦ ዘለኣለም።
ኢሳይያስ 9:6
እኳ ደኣ ሰብ ብምዃን፥ መልክዕ ባርያ ብምውሳድ፥ ብፍቓዱ ንባዕሉ ድኻ ገበረ። ንባዕሉ ኣዋሪዱ ኽሳዕ ሞት፥ ክሳዕ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ሙማትውን ተኣዘዘ። ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ኣበሎ፤ ልዕሊ ዅሉ ስም ዝኾነ ስም ከዓ ሃቦ።
ፊልጵስዩስ 2:7–9
ነቲ ኻብ መላእኽቲ ንቑሩብ ኣንኣስካዮ ተብሂሉ ዝነበረ ኢየሱስ ግና፥ ብምኽንያት ሞቱ ሕዚ ኣኽሊል ክብርን ምስጋናን ደፊኡ ንሪኦ ኣለና። እዙይ ከዓ ንሱ ብፀጋ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ዅሉ ሰብ ስለ ዝሞተ እዩ።
ዕብራውያን 2:9
እቶም ውሉድ፥ ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰባት ስለ ዝኾኑ፥ ኢየሱስውን ከምኣቶም ሰብ ኮነ፥ እዙይ ከዓ ብሞቱ።
ዕብራውያን 2:14
ነቶም ንመስዋእቲ ኺዳን ምሳይ ዝቖሙ ቕዱሳነይ ኣክቡለይ።
ዳዊት 50:5
ከምኡ ኸዓ፥ እቲ ናይ ብዙሓት ሓጢኣት ምእንቲ ኸወግድ፥ ሓንሳእ ዝተሰውአ ክርስቶስ፥ ደጊም ንሓጢኣት ክፀውር ዘይኮነስ፥ ነቶም ዝፅበይዎ ኸድሕኖም፥ ካልኣይ ጊዜ ብዘይ ሓጢኣት ክግለፅ እዩ።
ዕብራውያን 9:28
ክርስቶስ ናይዛ ሓዳስ ኪዳን እዚኣ፥ ማእኸላይ መተዓረቒ ኾነ። እቶም ፅዉዓት ... ካብቲ ኣብ ትሕቲ እታ ቐዳመይቲ ኺዳን እንተለዉ ዝገበርዎ ሓጢኣት ምእንቲ ኸድሕኖም፥ ቤዛ ኾይኑ ሞተ።
ዕብራውያን 9:15
ኦ ኣቦ! ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፥ ንኣይ ብምፍቃርካ፥ ዝሃብካኒ ኽብሪ ምእንቲ ኽሪኡ።
ዮሃንስ 17:24
ሽዑ ንመላእኽቱ ኽልእኾም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ነቶም ሕሩያቱ፥ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ዓለም፥ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ ክእክብዎም እዮም።”
ማርቆስ 13:27
እቶም ሰጐጕትኹም ክሳዕ ወሰን ምድሪ እኳ እንተ ኣብፅሑኹም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብኡ ኽእክበኩም እዩ፤ ካብኡውን ከምፅአኩም እዩ።
ዘዳግም 30:4
እቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም ዝሞቱ ኸዓ፥ ቀዲሞም ክትስኡ እዮም። ብድሕሪዙይ ንሕና ብህይወት እንፀንሕ፥ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፥ ምስኣቶም ሓቢርና፥ ብደመና ክንዓርግ ኢና። ንሓዋሩ ድማ፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና።
1ይ ተሰሎንቄ 4:16–17
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ7 ሕዳ 2025
ዳዊት 107:8 · ዳዊት 34:8
6 ሕዳ 2025
ቈላስይስ 3:4 · ዮሃንስ 11:25
5 ሕዳ 2025
ዘፀኣት 30:23 · ዘፀኣት 30:25
4 ሕዳ 2025
1ይ ጴጥሮስ 1:6 · 1ይ ጴጥሮስ 4:12–13
3 ሕዳ 2025
ሆሴዕ 14:9 · 1ይ ጴጥሮስ 2:7–8
2 ሕዳ 2025
1ይ ተሰሎንቄ 5:15 · 1ይ ጴጥሮስ 2:21–23





