14 ሕዳ 2025
ዕለታዊ ብርሃን, 15 ሕዳር: ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ (2ይ ቆሮንቶስ 6:16)
ዕለታዊ ብርሃን
እቲ ምስ ወዱ፥ ምስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ሕብረት ምእንቲ ኽህልወኩም፥ ዝፀውዐኩም እግዚኣብሄር እሙን እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 1:9
እቲ ተስፋ ዝሃበና እሙን እዩ እሞ፥ ስለዙይ ነታ እንፅበያ ተስፋ፥ ብዘይ ምጥርጣር ኣፅኒዕና ንሓዛ።
ዕብራውያን 10:23
ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ከዓ ህዝበይ ክኾኑ እዮም ከም ዝበለ፥ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው እግዚኣብሄር ኢና።
2ይ ቆሮንቶስ 6:16
ሕብረትናውን፥ ምስ ኣብን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን እዩ።
1ይ ዮሃንስ 1:3
ናይ ክርስቶስ መከራ ኽትካፈሉ እንተለኹም ግና ተሓጐሱ፤ ንሱ ብግርማ ኽግለፅ እንተሎ፥ የመና ኽትሕጐሱ ኢኹም።
1ይ ጴጥሮስ 4:13
ኣብ ፍቕሪ ሱር ክትሰዱን ክትምስረቱን፥ ምስ ኵሎም ቅዱሳን ኴንኩምውን፥ እቲ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ምግፋሑን፥ ምንዋሑን፥ ምዕማቑን፥ ቁመቱን፥ ክንደይ ዝኣክል ምዃኑ ምስትውዓል ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ነታ ልዕሊ ፍልጠት ዝኾነት ፍቕሪ ክርስቶስ ድማ ኽትፈልጥዋ፥ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ምእንቲ ኽትመልኡ እፅሊ ኣለኹ።
ኤፌሶን 3:17–19
ኵሉ፥ ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ ዝኣምን ሰብ፥ እግዚኣብሄር ኣብኡ ይነብር፤ ንሱውን ኣብ እግዚኣብሄር ይነብር።
1ይ ዮሃንስ 4:15
እቲ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ዝሕሉ፥ እግዚኣብሄር ኣብኡ ይነብር። ንሱውን ኣብ እግዚኣብሄር ይነብር።
1ይ ዮሃንስ 3:24
ንሕና ፍጥረቱ ኢናሞ።
ኤፌሶን 2:10
ንጉስ ድማ እታ ቤተ መቕደስ ብውቑር እምኒ ምእንቲ ኽትስረትስ፥ ገዘፍቲ ኽቡራት ኣእማን ክዅዕቱ ኣዘዘ።
1ይ ነገስት 5:17
እቲ ቤተ መቕደስ ክስራሕ እንተሎ ኸዓ፥ ኣብቲ ዝተዅዓተሉ ቦታ ብዝተወቕረ ኣእማን ስለ ዝተሰርሐ፥ ድምፂ መዶሻ ኾነ ምሳር ወይ ድምፂ ዝኾነ ኣቕሓ ሓፂን ኣብቲ ቤተ መቕደስ ኣይተሰምዐን።
1ይ ነገስት 6:7
ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ካህናት ኴንኩም፥ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ።
1ይ ጴጥሮስ 2:5
ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝኾነ፥ መሰረት ነቢያትን ሃዋርያትን ዝተሃነፅኩም፥ ደጊም ንቕዱሳን ደቂ ዓዶም፥ ንእግዚኣብሄር ድማ፥ ቤተሰቡ ኢኹም እምበር፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ኣይኮንኩምን። እቲ ህንፃ ብምሉኡ፥ ዝተቐደሰ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ክኸውን፥ ብጐይታ እናተገጣጠመ ይዓቢ። ንስኻትኩምውን ብመንፈስ ቅዱስ መሕደሪ እግዚኣብሄር ክትኮኑ፥ ሓቢርኩም ብእኡ ትህነፁ ኣለኹም።
ኤፌሶን 2:20–22
ንስኻትኩም ቀደም ህዝቡ ኣይነበርኩምን፤ ሕዚ ግና ህዝቢ እግዚኣብሄር ኢኹም።
1ይ ጴጥሮስ 2:10
ንስኻትኩም ግና፥ ግራት እግዚኣብሄርን፥ ህንፃ እግዚኣብሄርን ኢኹም።
1ይ ቆሮንቶስ 3:9
ስለዙይ ሓደኳ ብክርስቶስ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፤ እቲ ብሉይ ሓሊፉ፥ እንሆ ዅሉ ሓድሽ ኮይኑ እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:17
ነዙይ ዘዳለወና እግዚኣብሄር እዩ፤ ዕርቡን መንፈሱውን ዝሃበና ንሱ እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:5
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ13 ሕዳ 2025
ኤፌሶን 5:25–26 · ኤፌሶን 5:2
12 ሕዳ 2025
2ይ ቆሮንቶስ 7:10 · ማቴዎስ 26:75
11 ሕዳ 2025
ዳዊት 78:53 · ምሳሌ 8:20
10 ሕዳ 2025
ቈላስይስ 1:10 · ሮሜ 12:1–2
9 ሕዳ 2025
ዳዊት 89:19 · ኢሳይያስ 43:11
8 ሕዳ 2025
1ይ ተሰሎንቄ 5:8 · 1ይ ጴጥሮስ 1:13






