16 ሕዳ 2025
ዕለታዊ ብርሃን, 17 ሕዳር: ናይ እግዚኣብሄር ሃብቱን ጥበቡን ፍልጠቱን ክንደይ ዓሚቝ እዩ!
ዕለታዊ ብርሃን
ሓሳብካውን የመና ዓሚቝ እዩ!
ዳዊት 92:5
በቲ ፍልጠት ፍቓዱ፥ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ምስትውዓልን ክመልአኩም፥ ብዛዕባኻትኩም ካብ ምፅላይ፥ ኣቋሪፅና ኣይንፈልጥን።
ቈላስይስ 1:9
ኣብ ፍቕሪ ሱር ክትሰዱን ክትምስረቱን፥ ምስ ኵሎም ቅዱሳን ኴንኩምውን፥ እቲ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ምግፋሑን፥ ምንዋሑን፥ ምዕማቑን፥ ቁመቱን፥ ክንደይ ዝኣክል ምዃኑ ምስትውዓል ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ነታ ልዕሊ ፍልጠት ዝኾነት ፍቕሪ ክርስቶስ ድማ ኽትፈልጥዋ፥ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ምእንቲ ኽትመልኡ እፅሊ ኣለኹ።
ኤፌሶን 3:17–19
ናይ እግዚኣብሄር ሃብቱን ጥበቡን ፍልጠቱን ክንደይ ዓሚቝ እዩ! ንፍርዱ ኽምርምሮ ዝኽእል የለን፤ ንመንገዱውን ክረኽቦ ዝኽእል የለን።
ሮሜ 11:33
“ሓሳባተይ ከም ሓሳባትኩም፥ መንገድታትኩም ከም መንገደይ ኣይኮነን” ይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዝብል፥ መንገደይ ካብ መንገድታትኩም፥ ሓሳባተይ ከዓ ኻብ ሓሳባትኩም፥ ልዕል ዝበለ እዩ።
ኢሳይያስ 55:8–9
ኦ ኣምላኸይ፥ ዝገበርካዮ ተኣምራት ብዙሕ እዩ፤ ንሓሳብካውን ዝመስሎ የለን፤ እንተውረኹን እንተ ተናገርኩን ምቝፃሩ ዘይከኣል ብዙሕ እዩ።
ዳዊት 40:5
ሰብ ነቲ ዝዘርኦ እዩ ዝዓፅድ።
ገላትያ 6:7
እቶም ሓጢኣት ዝሓርሱ፥ መከራውን ዝዘርኡ፥ ንእኡ እዮም ዝዓፅዱ።
ኢዮብ 4:8
ንፋስ ይዘርኡ፥ ኣውሎ ንፋስ ድማ ይዓፅዱ፤ እቲ ብቝሊ ቓንጫ የብሉን።
ሆሴዕ 8:7
እቲ ንስጋኡ ኸሕጕስ ኢሉ ዝዘርእ፥ ካብ ስጋኡ ሞት ይዓፅድ።
ገላትያ 6:8
ፅድቂ ዝዘርእ ግና ረብሓ ኣለዎ።
ምሳሌ 11:18
እቲ ንመንፈስ ከሕጕስ ኢሉ ዝዘርእ ከዓ፥ ካብ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይዓፅድ። እዋኑ ምስ በፅሐ ኽንዓፅድ ኢናሞ፥ ሰናይ ስራሕ ንምስራሕ ኣይንሰልኪ። እምበኣር ጊዜ እንተለና፥ ንዅሉ ሰብ፥ ብሕልፊ እኳ፥ ነቶም ብእምነት ኣሕዋትና ዝኾኑ፥ ሰናይ ንግበር።
ገላትያ 6:8–10
ሓድሓደ ሰባት ገንዘቦም ብልግሲ ይህቡ፤ መሊሶም ከዓ ይህብትሙ፤ ሓድሓደ ኸዓ ብዘይመጠን ይነፍጉ፤ የመናውን ይደኽዩ።
ምሳሌ 11:24
ለጋስ ነፍሲ፥ የመና ትፀግብ፤ እቲ ዘርዊ ኸዓ ንባዕሉ ይረዊ።
ምሳሌ 11:25
እቲ ብውሑድ ዝዘርእ፥ ብውሑድ ከም ዝዓፅድ፥ እቲ ብብዙሕ ዝዘርእ ድማ፥ ብብዙሕ እዩ ዝዓፅድ።
2ይ ቆሮንቶስ 9:6
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ15 ሕዳ 2025
1ይ ቆሮንቶስ 1:9 · ዕብራውያን 10:23
14 ሕዳ 2025
ዳዊት 40:17 · ዳዊት 37:23–24
13 ሕዳ 2025
ኤፌሶን 5:25–26 · ኤፌሶን 5:2
12 ሕዳ 2025
2ይ ቆሮንቶስ 7:10 · ማቴዎስ 26:75
11 ሕዳ 2025
ዳዊት 78:53 · ምሳሌ 8:20
10 ሕዳ 2025
ቈላስይስ 1:10 · ሮሜ 12:1–2






