1 ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፥ ንሕና ብእዝንና ዝሰማዕናዮ፥ በዒንትና ዝረአናዮ፥ ዝጠመትናዮ፥ በእዳውናውን ዝዳህሰስናዮ ቓል ህይወት፥ ንነግረኩም ኣለና። 2 እዝ ህይወት ተገለፀ፤ ንሕና ኸዓ ሪኢናዮ ኢና፤ ንምስክርውን ኣለና። ምስ ኣብ ዝነበረ፥ እቲ ንኣና ዝተገልፀ ዘለኣለማዊ ህይወት ንነግረኩም ኣለና። 3 ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኽህልወኩም፥ ነቲ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን፥ ንኣኻትኩም ንነግረኩም ኣለና። ሕብረትናውን፥ ምስ ኣብን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን እዩ። 4 እዝ እንፅሕፈልኩም ዘለና፥ ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ኢልና ኢና።
5 እታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ፥ ንኣኻትኩምውን እንነግራ ዘለና መልእኽቲ፦ “እግዚኣብሄር ብርሃን እዩ፤ ኣብኡውን ፀልማት ከቶ የለን” እትብል እያ። 6 “ምስኡ ሕብረት ኣለና” እናበልና፥ ኣብ ፀልማት እንተ ነበርና ንሕሱ፤ ንሓቂ እውን ኣይንገብራን ዘለና። 7 ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፥ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና፥ ንስንሳትና ሕብረት ኣለና፤ ደም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንፅሀና እዩ።
8 ሓጢኣት የብልናን እንተ በልና፥ ንባዕልትና ነታልል፤ እቲ ሓቂውን ኣባና የለን። 9 ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፥ እግዚኣብሄር እሙንን ፃድቕን ስለ ዝኾነ፥ ንሓጢኣትና ይቕረ ኽብለልና፥ ካብ ኵሉ በደልናውን ከንፅሀና እዩ። 10 “ሓጢኣት ኣይገበርናን” እንተ በልና፥ ሓሳዊ ንገብሮ፤ ቃሉውን ኣባና የለን።
18-19 ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም ዝወረስኩምዎ፥ ከንቱ ዝኾነ ህይወት ዝደሓንኩም፥ ብዝጠፍእ ነገር፥ ብብሩር ወይ ብወርቂ ዘይኮነስ፥ በቲ ነቐፋን ርኽሰትን ከም ዘይብሉ በጊዕ ዝኾነ፥ ብኽቡር ደም ክርስቶስ፥ ከም ዝተቤዘወኩም ትፈልጡ ኢኹም። 20 ንሱ ቕድሚ ምፍጣር ዓለም ዝተፈልጠ እንትኸውን፥ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና፥ ምእንታና ተገሊፁ እዩ።
22 ንሱ ናብ ሰማይ ዓሪጉ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ኣሎ፤ መላእኽትን ስልጣናትን ሓይላትውን ይግዝኡሉ ኣለዉ።
1ይ ዮሃንስ 1 · 1ይ ጴጥሮስ 1:19–20 · 1ይ ጴጥሮስ 3:22 · ትመ15
ጐይታ የሱስ ናብዛ ዓለም እዚኣ መጸ፡ እቲ ናይ መወዳእታ መስዋእቲ ኪኸውን፡ ቅድሚ ምምስራት ዓለም እተፈልጠ (1 ጴጥ. 1:19–20)። እቲ ግዜ ምስ በጽሐ፡ ንሱ ፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ሓደ ጥራይ ኪገብሮ ዚኽእል ፈጸሞ። ቅዱሳት ጽሑፋት ነዚ ኻብ ምምስሳልና ንላዕሊ ዝኾነ ነገራት ይገልጹ፡ ግናኸ ንልብና የሐጕሱ። መንፈስ ቅዱስ ነዚ ኽንርድኦን ክንሕጐሰሉን ይሕግዘና፡ ከመይሲ ምስ ፍቑርና ይተኣሳሰር። መን እዩ ዓብይነት ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕሪ ኺርድኦ ዚኽእል፧ እቲ ዘለኣለማዊ ሰለስተ ኣምላኽ—ኣቦ፡ ወድን መንፈስ ቅዱስን—ብዛዕባ ኣድላይነት መስዋእቲ ሓደ ሓሳብ ነይሮም። መን እዩ ዓብይነት ናይቲ ሓደ መስዋእቲ፡ ንኣምላኽ፡ ንየሱስ፡ ንዓና ድማ ብሩኽ ፍረ ዘለዎ፡ ዚርድኦ፧
“ንየሱስ ንርእዮ” (2:9) እቲ ቀንዲ ሓሳብ ናይ እብራውያን እዩ፡ ብዛዕባ መስዋእቲ ክርስቶስን ፍረኡን ብዙሕ ነገር ኣሎ። እቲ “ኣብ የማን ኣምላኽ” (ወይ “የማኑ”) ዚብል ቃል ኣብ እብራውያን ኣርባዕተ ግዜ (1:3፡ 8:1፡ 10:12፡ 12:2)፡ ኣብ ጽሑፋት ጳውሎስ ድማ ሰለስተ ግዜ (ሮሜ 8:34፡ ኤፌ. 1:20፡ ቈሎ. 3:1) ይርከብ። ሳውል ዘጠርሴስ ንጐይታ የሱስ ኣብ የማን ኣምላኽ ረኣዮ፡ ኣብ መገዲ ደማስቆ ምስ ጸውዖ (ግብሪ ሃዋርያት 9፡ 22፡ 26)። ጴጥሮስ ንየማን ኣምላኽ ይጠቅስ፡ እዚ ድማ ናይ ክብርን ሞገስን ቦታ እዩ፡ ኣብኡ ድማ የሱስ ሕጂ ተቐሚጡ ኣሎ (1 ጴጥ. 3:22)። ዮሃንስ ድማ ብኸመይ ምስ ኣቦን ወድን ሕብረት ኪህልወና ኸም ዚኽእል ይሕብረና፡ እዚ ድማ ኣብቲ ዘደንቕ መስዋእቲ ክርስቶስ እተመርኮሰ እዩ (1 ዮሃንስ 1)።