27 ሕዳ 2025
ዕለታዊ ብርሃን, 28 ሕዳር: እምበኣር፥ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝኾነ (ያእቆብ 2:26)
ዕለታዊ ብርሃን
እምበኣር፥ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝኾነ፥ እምነትውን ብዘይ ተግባር ምውትቲ እያ።
ያእቆብ 2:26
ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዝገብር ደኣ እምበር፥ ኵሉ ጐይታይ! ጐይታይ! ዝብለኒ፥ ናብ መንግስተ ሰማያት ኣይኣቱን እዩ።
ማቴዎስ 7:21
ሓደኳ ንእግዚኣብሄር ዝሪኦ የለን እሞ፥ ቅዱሳን ክትኮኑ ፀዓሩ።
ዕብራውያን 12:14
ኣብ እምነትኩም ሕያዋይነት ወስኹ፤ ኣብ ሕያዋይነትውን ፍልጠት፥ ኣብ ፍልጠት ከዓ ንባዕልኻ ምግዛእ፥ ኣብ ንባዕልኻ ምግዛእ ትዕግስቲ፥ ኣብ ትዕግስቲ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ፥ ኣብ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ሕውነት፥ ኣብ ሕውነት ድማ ፍቕሪ ወስኹ። እዞም ነገራት እዚኣቶም እንተ ሃልዮምኹም፥ እናዓበዩውን እንተ ኸይዶም፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከፍልጡኹም እዮም። ሃካያትን ዘየፍርዩውን ኣይትኾኑን ኢኹም። እዝ ነገር እዙይ ዘይብሉ ግና፥ ኣርሒቑ ዘይርኢ፥ ዕዉር ሰብ እዩ፤ ካብቲ ናይ ቀደም ሓጢኣቱ፥ ከም ዝነፅሀውን ዝረስዐ እዩ። ስለዙይ፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ንፅውዓኹምን ምሕራይኩምን ክተፅንዕዎ፥ ኣብሊፅኩም ተጋደሉ። እዙይ እንተ ጌርኩም፥ ከቶ ኣይትወድቁን ኢኹም።
2ይ ጴጥሮስ 1:5–10
ንክርስቶስ ብምእማን፥ ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩም። እዙይ ከዓ ውህብቶ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካባኻትኩም ኣይኮነን። ሓደኳ ኸይምካሕስ ብግብሪ ኣይኮነን።
ኤፌሶን 2:8–9
ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰባት ስለ ዝኾኑ፥ ኢየሱስውን ከምኣቶም ሰብ ኮነ፥ እዙይ ከዓ ብሞቱ ... ነቶም ብናይ ሞት ፍርሓት፥ ምሉእ ዕድመኣቶም ብባርነት ተኣሲሮም ንዝነበሩ ኸዓ፥ ሓራ ምእንቲ ኸውፅእ ኢሉ እዩ።
ዕብራውያን 2:14–15
“ኦ ሞት፥ መውግኢኻ ኣበይ ኣሎ? ሲኦልከ ኣሸናፊነትካ ኣበይ ኣሎ?” ግና ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ክነሸንፍ ዝገበረና እግዚኣብሄር፥ ምስጋና ይኹኖ።
1ይ ቆሮንቶስ 15:55, 57
ስለዙይ ተስፋ ኣይንቐብፅን ኢና፤ እቲ ናይ ወፃኢ ሰብነትና እንተበለየ እኳ፥ ውሽጣዊ ሰብነትና በብመዓልቱ ይሕደስ እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 4:16
እዛ ድንኳን ዝኾነት፥ ምድራዊት መንበሪትና እንተ ፈረሰት እኳ፥ ብኢድ ሰብ ዘይተሰርሐት፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝኾነት ናይ ዘለኣለም ቤት፥ ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና ንፈልጥ ኢና። ኣብዝ ሰብነት እዙይ ክሳዕ ዘለና፥ ካብ ጐይታ ብርሕቐት፥ ኣብ ስደት ከም ዘለና፥ እንተ ፈለጥና እኳ፥ ኵልሻዕ ብእኡ ንተኣማመን ኢና። ... ካብዝ ሰብነት እዙይ ተፈሊና፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ይሕሸና ኢልና፥ ብትብዓት ንዛረብ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:1, 6–8
“ልብኹም ኣይሸበር፤ ብእግዚኣብሄር እመኑ፤ ብኣይውን እመኑ። ኣብ እንዳ ኣቦይ፥ ብዙሕ መንበሪ ኣሎ፤ እንተ ዘይህሉስ፥ ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ፥ ኣይምበልኩኹምን ነይረ።
ዮሃንስ 14:1–3
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ26 ሕዳ 2025
ኢሳይያስ 62:4 · ኢሳይያስ 43:1
25 ሕዳ 2025
ሮሜ 6:18 · ማቴዎስ 6:24
24 ሕዳ 2025
ሉቃስ 8:21 · ዕብራውያን 2:11–12
23 ሕዳ 2025
ምሳሌ 1:33 · ዳዊት 90:1
22 ሕዳ 2025
ይሁዳ 20 · ዮሃንስ 4:24
21 ሕዳ 2025
ዮሃንስ 6:37 · ዘፀኣት 22:27






