26 ሕዳ 2025
ዕለታዊ ብርሃን, 27 ሕዳር: ንሕና ሓደ ኸም ዝኾንና፥ ንሳቶምውን ከማና ሓደ ምእንቲ ክኾኑ
ዕለታዊ ብርሃን
ንሕና ሓደ ኸም ዝኾንና፥ ንሳቶምውን ከማና ሓደ ምእንቲ ክኾኑ።
ዮሃንስ 17:22
ንእግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን፥ ልዕል ኣብ ዝበለ ዙፋንን ተቐሚጡ ረአኽዎ፤ ዘፈር ልብሱ ኸዓ ነቲ ቤተ መቕደስ መሊእዎ ነበረ። ኣብ ዙርያኡ ድማ ሱራፌል ቆይሞም ነበሩ። ... ሓደ ንሓደ ኸዓ ብዓብዪ ድምፂ፥ “ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኵላ ምድሪ ኸዓ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ” ይብሉ ነበሩ።
ኢሳይያስ 6:1–3
ኢሳይያስ ብዛዕባኡ ኸምዙይ ኢሉ ዝተዛረበ፥ ክብሩ ስለ ዝረአየ እዩ።
ዮሃንስ 12:41
ኣብ ልዕሊ እቲ ዙፋን ዝመስል ድማ ምስሊ ሰብ ዝመስል ነበረ። ከምቲ ብመዓልቲ ዝናም፥ ኣብ ደመና ዝኸውን ትርኢት ቀስተ ደመና፥ ከምኡ ትርኢት ፀዳል እቲ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ነበረ፤ ትርኢት ክብሪ እቲ ምስሊ እግዚኣብሄር ከምኡ ነበረ።
ሕዝቅኤል 1:26, 28
በይዛኻ ኽብርኻ ኣርእየኒ” በሎ። ሰብ ሪኡኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ እሞ፥ ገፀይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ” በሎ።
ዘፀኣት 33:18, 20
ንእግዚኣብሄርስ ዝረአዮ ሓደኳ የለን፤ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ፥ ሓደ ወዱ ደኣ ገለፆ እምበር።
ዮሃንስ 1:18
እቲ “ኣብ ፀልማት ብርሃን ይብራህ” ዝበለ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኣብ ገፅ ክርስቶስ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ዘንፀባርቕ ብርሃን ፍልጠት ምእንቲ ኽህበና፥ ኣብ ልብና ኸም ዝበርህ ገይሩ እዩሞ።
2ይ ቆሮንቶስ 4:6
ወደይ፥ ሓጥኣን እንተ ሓባበሉኻ፥ ሕራይ ኣይትበሎም።
ምሳሌ 1:10
ካብታ ፍረ ኦም ወሲዳ በልዐት፤ ንሰብኣያውን ሃበቶ፤ ንሱውን ምስኣ በልዐ።
ዘፍጥረት 3:6
ኣካን ወዲ ዛራ ካብቲ ዝተሓረመ ብምውሳዱ በደለ፤ መዓት ከዓ ኣብ ምሉእ ህዝቢ እስራኤል ደኣ ወረደ እምበር፥ በቲ በደሉ ንሱ በይኑ ጥራሕ ኣይሞተን።
ኢያሱ 22:20
“ክፉእ ንምግባር ደድሕሪ ብዙሓት ሰባት ኣይትስዓብ።
ዘፀኣት 23:2
እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ በሪ ገፋሕ፥ መንገዳውን ሰፊሕ እዩ እሞ፥ እቶም ናብኣ ዝኣትዉ ብዙሓት እዮም።
ማቴዎስ 7:13
ካባና፥ ንባዕሉ ኢሉ ዝነብር ወይ ንባዕሉ ኢሉ ዝመውት።
ሮሜ 14:7
ኣሕዋተይ፥ ንስኻትኩም ሓራ ኽትኮኑ ኢኹም ዝተፀዋዕኹም፤ ግና ሓርነትኩም ንስጋ ምኽንያት ኣይሃብ፤ ግና ንስንሳትኩም፥ ብፍቕሪ ከም ባሮት ኮኑ።
ገላትያ 5:13
ግናኸ እቲ ሓርነትኩም፥ ነቶም ብእምነቶም ዘይጠንከሩ መዐንቀፊ ኸይኾኖም ተጠንቀቑ። እምበኣር ከምዙይ ነቶም ኣሕዋት እናበደልኩም፥ ነቲ ድኹም ሕሊናኦም እናቝሰልኩም፥ ንክርስቶስ ትብድልዎ ኣለኹም።
1ይ ቆሮንቶስ 8:9, 12
ኵላትና ኸም ዝተበታተና ኣባጊዕ ጠፋእና፤ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መንገዱ ዘምበለ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንበደል ኵላትና፥ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበሮ።”
ኢሳይያስ 53:6
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ25 ሕዳ 2025
ሮሜ 6:18 · ማቴዎስ 6:24
24 ሕዳ 2025
ሉቃስ 8:21 · ዕብራውያን 2:11–12
23 ሕዳ 2025
ምሳሌ 1:33 · ዳዊት 90:1
22 ሕዳ 2025
ይሁዳ 20 · ዮሃንስ 4:24
21 ሕዳ 2025
ዮሃንስ 6:37 · ዘፀኣት 22:27
20 ሕዳ 2025
ሚክያስ 7:8 · ኢሳይያስ 43:2–3






