2 ታሕ 2025
ዕለታዊ ብርሃን, 3 ታሕሳስ: ንእግዚኣብሄርዶ ዝሰኣኖ ነገር ኣሎ እዩ? (ዘፍጥረት 18:14)
ዕለታዊ ብርሃን
“ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር ምለመንኩ፤ ነገረይውን ናብ እግዚኣብሄር መቕረብኩ።
ኢዮብ 5:8
ንእግዚኣብሄርዶ ዝሰኣኖ ነገር ኣሎ እዩ?
ዘፍጥረት 18:14
መንገድኻ ንእግዚኣብሄር ሓደራ ሃብ፤ ብእኡውን ተኣመን፤ ንሱ ድማ ኽገብረልካ እዩ።
ዳዊት 37:5
ንዅሉ ነገር፥ ብፀሎትን ልመናን ምስ ምስጋና ድልየትኩም ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ እምበር፥ ብሓደኳ ኣይትጨነቑ።
ፊልጵስዩስ 4:6
ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፥ ንዅሉ ዘጨንቐኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።
1ይ ጴጥሮስ 5:7
ሕዝቅያስ ከዓ ነታ መልእኽቲ፥ ካብ ኢድ እቶም ልኡኻት ተቐቢሉ ኣንበባ፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ደየበ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ዘርግሓ። ሕዝቅያስ ከምዙይ እናበለ ኸዓ፥ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ።
ኢሳይያስ 37:14–15
ከምዙይ ክኸውን ድማ እዩ፦ እንተይፀውዑኒ ኽምልሰሎም፥ ገና ዘረባኦም እንትጅምሩ ኽሰምዖም እየ።
ኢሳይያስ 65:24
ምእንቲ ንስንሳትኩምውን ፀልዩ። ፀሎት ፃድቕ ሓይሊ ኣለዋ፤ ብዙሕውን ተስልጥ እያ።
ያእቆብ 5:16
እግዚኣብሄር ድምፂ ልመናይ ሰሚዑኒ እዩሞ ፈተኽዎ። እዝኑ ናባይ ኣቢሉ እዩሞ፥ ብዅሉ ዘመን ህይወተይ ክፅውዖ እየ።
ዳዊት 116:1–2
ኻብ ክፉእ ሕሊና ምእንቲ ኽንነፅህ፥ ልብና ተነፂግና፥ ሰብነትና ብንፁህ ማይ ሓፂብና፥ ብቕኑዕ ልብን ብሙሉእ እምነትን፥ ናብ እግዚኣብሄር ንቕረብ።
ዕብራውያን 10:22
“ንመሕፀቢ ዝኸውን እግሪ ዘለዎ ሸሓነ፥ ... ኣብ መንጎ እቲ መራኸቢ ድንኳንን መሰውእን ኣንብሮ እሞ ማይ ግበረሉ። ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ብእኡ ይተሓፀቡ። ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ክኣትዉ እንተለዉ፥ ምእንቲ ኸይሞቱ ማይ ይተሓፀቡ። ... ምእንቲ ኸይሞቱ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ይተሓፀቡ።
ዘፀኣት 30:18–21
ቤተ መቕደስ ናይቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተቐበልኩምዎ፥ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነዶ።
1ይ ቆሮንቶስ 6:19
ዝኾነ ሰብ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ቤተ መቕደስ እንተ ኣፍረሰ፥ ንእኡ ድማ እግዚኣብሄር ከፍርሶ እዩ። ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር፥ ቅዱስ እዩ፤ እዝ ቤተ መቕደስ እዙይውን፥ ንስኻትኩም ኢኹም።
1ይ ቆሮንቶስ 3:17
ሽዑ ካብ ስጋይ ተፈልየ ንእግዚኣብሄር ክሪኦ እየ። ኣነ ባዕለይ ክሪኦ እየ፤ ኣዒንተይውን ክጥምታኦ እየን፤ ካባይ ካልእ ኣይኮነን።
ኢዮብ 19:26–27
እቶም፥ ኣብቲ ናይቲ በጊዕ መፅሓፍ ህይወት።
ራእይ 21:27
ኣዒንትኻ ኽፉእ ከይሪኣ የመና ፅሩያት እየን፤ ንሓጢኣት ክትጥምትውን ኣይትኽእልን።
እንባቆም 1:13
እምበኣር ኣሕዋተይ፥ ሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስን፥ መስዋእቲ ጌርኩም ክተቕርብዎ፥ ብምሕረት እግዚኣብሄር እልምነኩም ኣለኹ፤ እዙይ ድማ እቲ ግቡእ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።
ሮሜ 12:1
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ1 ታሕ 2025
ኢሳይያስ 32:2 · ዕብራውያን 2:14
30 ሕዳ 2025
ራእይ 1:4 · ፊልጵስዩስ 4:7
29 ሕዳ 2025
ዳዊት 65:4 · ዳዊት 27:4
28 ሕዳ 2025
ያእቆብ 2:26 · ማቴዎስ 7:21
27 ሕዳ 2025
ዮሃንስ 17:22 · ኢሳይያስ 6:1–3
26 ሕዳ 2025
ኢሳይያስ 62:4 · ኢሳይያስ 43:1






