13 ታሕ 2025
ዕለታዊ ብርሃን, 14 ታሕሳስ: እቲ ንኣይ ዝፈጠርክዎ ህዝቢ፥ ምስጋናይ ክናገር እዩ
ዕለታዊ ብርሃን
ንምስጋናኡውን ክብሪ ሃቡ።
ዳዊት 66:2
እቲ ንኣይ ዝፈጠርክዎ ህዝቢ፥ ምስጋናይ ክናገር እዩ።”
ኢሳይያስ 43:21
ካብቲ ንኣይ ዝበደሉሉ ሓጢኣት ከንፅሆም እየ፤ ኵሉ እቲ ኣብ ልዕለይ ዝዓመፅዎን ዝበደልዎን ሓጢኣቶም ይቕረ ኽብሎም እየ። እዛ ኸተማ እዚኣ፥ እቲ ዅሉ ንኣኣ ዝገበርክዎ ሰናይ ነገር፥ አብ ቅድሚ እቶም ኣህዛብ ምድሪ።
ኤርሚያስ 33:8–9
እምበኣርከስ ኵልሻዕ ንእግዚኣብሄር፥ መስዋእቲ ምስጋና ብኢየሱስ ነቕርብ፤ እዙይ ከዓ፥ ናይተን ንስሙ ዝምስክራ ፍረ ኸናፍርና እዩ።
ዕብራውያን 13:15
ኦ ጐይታ ኣምላኸይ፥ ብምሉእ ልበይ አመስግነካ ኣለኹ፤ ስምካውን ንዘለኣለም ከኽብር እየ። ምሕረትካ ኣባይ ዓብያ እያሞ፤ ንነፍሰይ ከዓ ኻብ መዓሙቕ ሲኦል ኣድሓንካያ።
ዳዊት 86:12–13
ኦ እግዚኣብሄር! ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ... ብቕድስና ኸማኻ ዝኸበረ፥ ብግርማ ኸማኻ ዝተፈርሐ፥ ገባሪ ተኣምራት፥ መን ኣሎ?
ዘፀኣት 15:11
ንስም እግዚኣብሄር ብመዝሙር ከመስግኖ እየ፤ ብምስጋናውን ልዕል ልዕል ከብሎ እየ።
ዳዊት 69:30
መዝሙር እቲ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ዝኾነ ሙሴን፥ መዝሙር እቲ በጊዕን፥ ከምዙይ እናበሉ ይዝምሩ ነበሩ፦ “ኦ፥ ንዅሉ እትገዝእ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ስራሕኻ ዓቢይን ግሩምን እዩ።
ራእይ 15:3
ብባህርይና ኸምቶም ካልኦት፥ ደቂ ቝጥዓ ነበርና።
ኤፌሶን 2:3
ንሕናውን ቀደም ዘይነስተውዕል፥ ዘይንእዘዝ፥ ግጉያት፥ ንብዙሕ ድልየት ስጋን ትምኒትን ዝተገዛእና፥ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር፥ ብሰብ ፅሉኣት፥ ንስንሳትናውን እንፃላእ ነበርና።
ቲቶ 3:3
ካልኣይ ክትውለዱ ኣለኩም ስለ ዝበልኩኻ ኣይትገረም።
ዮሃንስ 3:7
ሽዑ ኢዮብ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “እንሆ ጐይታይ፥ ኣነ ኸንቱ ዝኾንኩ ሰብ እየ፤ እንታይ ኢለ ደኣ ኽምልሰልካ? ኣፈይ ብኢደይ ሒዘ ኣለኹ።
ኢዮብ 40:3–4
እግዚኣብሄር ከዓ ንሰይጣን “ንባርያይ ኢዮብስ ኣስተብሂልካዮዶ? ኸም ኢዮብ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ዘምልኽን ክፉእ ካብ ምግባር ዝረሓቐን ፍፁምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የለን” በሎ።
ኢዮብ 1:8
እንሆ፥ ብዓመፃ ተፀነስኩ፤ እነይውን ብሓጢኣት ወለደትኒ።
ዳዊት 51:5
ከም ልበይ ዝኾነ ሰብ፥ ኵሉ ፍቓደይ ዝገብር ንዳዊት ወዲ እሴይ ረኸብኩ’ ኢሉ ኸዓ መስከረሉ።
ግብሪ ሃዋርያት 13:22
ኣነ ቐደም ስም ጐይታ ዝፀርፍን፥ ዘሳጕጉን፥ ዝገፍዕን፥ እንተ ነበርኩ እኳ።
1ይ ጢሞቴዎስ 1:13
እቲ ኻብ ስጋ ዝተወለደ ስጋ እዩ፤ እቲ ኻብ መንፈስ ዝተወለደ ኸዓ፥ መንፈስ እዩ።
ዮሃንስ 3:6
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ12 ታሕ 2025
ሶፎንያስ 3:15 · ኢሳይያስ 41:10
11 ታሕ 2025
ሮሜ 14:16 · 1ይ ተሰሎንቄ 5:22
10 ታሕ 2025
ዮሃንስ 10:29 · 2ይ ጢሞቴዎስ 1:12
9 ታሕ 2025
ምሳሌ 21:3 · ሚክያስ 6:8
8 ታሕ 2025
ገላትያ 5:13 · ገላትያ 6:1–2
7 ታሕ 2025
2ይ ቆሮንቶስ 5:21 · ኢሳይያስ 53:6






