9 ታሕ 2025
ዕለታዊ ብርሃን, 10 ታሕሳስ: በቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ፥ ካብቶም ሰዓርቲ የመና ንበልፅ ኢና
ዕለታዊ ብርሃን
ካብ ኢድ ኣቦይ ከሕድገን ዝኽእል ሓደኳ የለን።
ዮሃንስ 10:29
ኣይሓፍርን እየ። ንሱ ኸዓ ነቲ ዝሃብክዎ ሕድሪ፥ ክሳዕ እታ መዓልቲ ጐይታ ኽሕልወለይ ከም ዝኽእል ርግፀኛ እየ።
2ይ ጢሞቴዎስ 1:12
እግዚኣብሄር፥ ካብ ኵሉ ኽፉእ ግብሪ ኸናግፈኒ፥ ሓልዩ ኸዓ፥ ናብታ ሰማያዊት መንግስቱ ኸብቅዐኒ እዩ።
2ይ ጢሞቴዎስ 4:18
በቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ፥ ካብቶም ሰዓርቲ የመና ንበልፅ ኢና። ስለዙይ ሞት ኮነ ህይወት፥ መላእኽቲ ኾኑ ገዛእቲ፥ ዘሎ ኾነ ዝመፅእ ወይ ዝኾነ ሓይሊ፥ ላዕለዋይ ኮነ ታሕተዋይ፥ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ኾነ፥ ካብቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ፍቕሪ እግዚኣብሄር፥ ከቶ ኽፈልየና ዝኽእል ከም ዘየለ፥ ተረዲአ ኣለኹ።
ሮሜ 8:37–39
ህይወትኩምውን ምስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ተሰዊሩ ኣሎሞ።
ቈላስይስ 3:3
እግዚኣብሄር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም፥ መንግስቲ፥ ምእንቲ ኽወርሱ፥ ብእምነት ሃብታማት ክኾኑ፥ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለምዶ ኣይሓረዮምን እዩ?
ያእቆብ 2:5
ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ እቲ ዘፍቀረና፥ ብፀጋኡ ኸዓ፥ ዘለኣለማዊ ምፅንናዕን፥ ሰናይ ተስፋውን ዝሃበና እግዚኣብሄር ኣቦና፥ ንልብኹም የፀናንዕ፤ ብሰናይ ግብርን ቃልን ከዓ የበርትዕኹም።
2ይ ተሰሎንቄ 2:16–17
እቲ ናብቲ ሓርነት ዝህብ ፍፁም ሕጊ ኣተኲሩ ዝጥምትን።
ያእቆብ 1:25
ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፤ እታ ሓቂውን፥ ሓራ ኽተውፅአኩም እያ” በሎም። ... ኢየሱስ ድማ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ኵሉ ሓጢኣት ዝገብር፥ ንሱ ናይ ሓጢኣት ባርያ እዩ። ወልድ ሓራ እንተ ኣውፂኡኩም፥ ብሓቂ ሓራ ዝወፃእኹም ክትኮኑ ኢኹም።
ዮሃንስ 8:32–34, 36
ብሓርነት ምእንቲ ኽንነብር ክርስቶስ ሓራ ኣውፂኡና እዩ። ስለዙይ ፅንዑ፤ መሊስኩም በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ። ኣሕዋተይ፥ ንስኻትኩም ሓራ ኽትኮኑ ኢኹም ዝተፀዋዕኹም፤ ግና ሓርነትኩም ንስጋ ምኽንያት ኣይሃብ፤ ግና ንስንሳትኩም፥ ብፍቕሪ ከም ባሮት ኮኑ። ሕጊ ብምሉኡ ኣብቲ “ንብፃይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር” ዝብል ትእዛዝ፥ ተጠቕሊሉ ኣሎ እሞ።
ገላትያ 5:1, 13–14
ቀደም ባሮት ሓጢኣት እኳ እንተ ነበርኩም፥ ነቲ ብሕድሪ ዝተውሃበኩም ትምህርቲ ኻብ ልቢ ስለ ዝተኣዘዝኩምዎ፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂእኹም፥ ንፅድቂ ስለ ዝተገዛእኹም፥ እግዚኣብሄር ዝተመስገነ ይኹን።
ሮሜ 6:18
ሰበይቲ፥ ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፥ ብሕጊ ምስኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፥ ካብቲ ዝተኣሰረትሉ ሕጊ ፍትሕቲ እያ።
ሮሜ 7:2
እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ናይ ህይወት መንፈስ ሕጊ፥ ካብቲ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን፥ ሓራ ኣውፂኡና እዩሞ።
ሮሜ 8:2
ንትእዛዛትካውን ደልየ እየሞ፥ ኣስፊሐ ክኸይድ እየ።
ዳዊት 119:45
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ8 ታሕ 2025
ገላትያ 5:13 · ገላትያ 6:1–2
7 ታሕ 2025
2ይ ቆሮንቶስ 5:21 · ኢሳይያስ 53:6
6 ታሕ 2025
ፊልጵስዩስ 2:13 · 2ይ ቆሮንቶስ 3:5
5 ታሕ 2025
ዳዊት 119:71 · ዕብራውያን 5:8
4 ታሕ 2025
ኢዮብ 28:12 · ያእቆብ 1:5–6
3 ታሕ 2025
ኢዮብ 5:8 · ዘፍጥረት 18:14






