ቅኑዕ ዓይነት እምነት ከም ዘሎካ ከመይ ጌርካ ርግጸኛ ትኸውን? እምበኣር፡ ምትእምማንካ ኣብቲ ቅኑዕ ሰብ—ኣብ ወዲ ኣምላኽ—ኣንብር። እዚ ብዛዕባ ብዝሒ እምነትካ ዘይኮነስ፡ ብዛዕባ እቲ ምትእምማንካ እተንብረሉ ሰብ ክንደይ እሙን ምዃኑ እዩ። ሓደ ሰብ ንክርስቶስ ብምጥጥዕ ሰብ ምጥባር እንተሓዞ፡ ካልእ ድማ ንጫፍ ክዳኑ ጥራይ እንተተንከፈ፡ ክልቲኦም ብማዕረ ድሑናት እዮም። ክልቲኦም ብርግጽ ኣብቲ ናይ ዘለኣለም ጽባቐ ናይቲ ዝወድኦ ስራሕ የዕርፉ። እዚ ድማ ብእኡ ምእማን ማለት እዩ።
ምትእምማንካ ኣብ ግብርታትካ፡ ሃይማኖታዊ ስርዓታት ወይ ስምዒታትካ፡ ወይ ስነ-ምግባራዊ ስልጠናኻ ከም ዘይተሰረተ ኣረጋግጽ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ዝበለጸ እምነት ክህልወካ ይኽእል እዩ እሞ ንዘለኣለም ክትጠፍእ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዝደኸመ እምነት ኣብ ክርስቶስ ንዘለኣለም የድሕን፡ እቲ ዝበለጸ እምነት ኣብ ርእስኻ ግን ዋጋ የብሉን። ሓንቲ ጓል ሓደ መዓልቲ ንዓይ፡ “ኣብኡ እኣምን እየ፡” በለትኒ፡ “ግን ድሒነዶ እንተተባሂለ፡ ክሕሱ ይኽእል እየ ኢለ ስለ ዝፈርህ ‘እወ’ ክብል ኣይፈቱን እየ።” እዛ ጓል እዚኣ ጓል ሓደ ኣብ ንእሽቶ ከተማ ዝነብር ሓረድቲ እያ ነይራ። ኣቦኣ ካብ ዕዳጋ ኣይተመልሰን ነይሩ። ስለዚ ኣነ ድማ፡ “ሕጂ፡ ንኣቦኻ ሎሚ ክንደይ ኣባጊዕ ከም ዝዓደገ እንተሓተትካዮ፡ ንሱ ድማ ‘ዓሰርተ’ እንተበለካ። ጸኒሑ ሓደ ሰብ ክንደይ ኣባጊዕ ኣቦኻ ሎሚ ከም ዝዓደገ እንተሓተተካ፡ ንስኻ ድማ፡ ‘ክሕሱ ይኽእል እየ ስለ ዝፈርህ ክብል ኣይደልን እየ’ እንተበልካዮ።” ብቕንዕና ብዝመልኦ ቍጥዓ፡ እታ ምስናና ዝነበረት ኣደኣ፡ “ግን እዚ ንኣቦኣ ሓሳዊ ምግባር እዩ!” ኢላ መለሰት።
ብተመሳሳሊ መገዲ፡ እዛ ጓል እዚኣ፡ ክርስቶስ፡ “ብኣይ ዝኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ” (ዮሃ 6:47) ኢሉ ከሎ፡ “ኣብኡ እኣምን እየ ግን ክሕሱ ይኽእል እየ ስለ ዝፈርህ ድሒነ እየ ክብል ኣይፈቱን እየ” ብምባል ንክርስቶስ ሓሳዊ ትገብሮ ነበረት።




