15 ታሕ 2025
ዕለታዊ ብርሃን, 16 ታሕሳስ: ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ (ዮሃንስ 13:1)
ዕለታዊ ብርሃን
ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ፥ ክሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም።
ዮሃንስ 13:1
ኣነ ምእንትኣቶም እልምን ኣለኹ። ናትካ እዮም እሞ፥ ምእንቲ እዞም ዝሃብካኒ እምበር፥ ምእንቲ ዓለምስ ኣይልምንን እየ። ኵሉ ናተይ ናትካ እዩ፤ እቲ ናትካውን ናተይ እዩ፤ ኣነውን ብኣኣቶም እኸብር ኣለኹ። ካብ ክፉእ ክትሕልዎም እምበር፥ ካብ ዓለም ክትወስዶም ኣይኮንኩን ዝልምነካ ዘለኹ። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኮንኩ፥ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኮኑንሞ።
ዮሃንስ 17:9–10, 15–16
“ከምቲ ኣብ ዘፍቀረኒ፥ ኣነውን ኣፍቂረኩም ኣለኹ፤ ብፍቕረይ ንበሩ።
ዮሃንስ 15:9
ሰብ ቤዛ ኣዕርኽቱ ገይሩ፥ ንህይወቱ ኣሕሊፉ ኻብ ምሃብ ዝበልፅ ፍቕሪ የብሉን። ንስኻትኩምውን፥ ኵሉ ዝኣዘዝኩኹም እንተ ፈፂምኩም፥ ኣዕርኽተይ ኢኹም።
ዮሃንስ 15:13–14
ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ጌርኩም ንስንሳትኩም ምእንቲ ኽትፋቐሩ፥ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ።
ዮሃንስ 13:34
ክሳዕ እታ ክርስቶስ ኢየሱስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ፥ ከም ዝፍፅሞ ተረዲአ ኣለኹሞ።
ፊልጵስዩስ 1:6
ንባዕሉውን ቤዛ ገይሩ ኸም ዝሃበላ፥ ኣቱም ሰብኡትውን፥ ነንስትኹም ኣፍቅርወን። ብምሕፃብ ማይ፥ ብቓሉ ኣፅርዩ ምእንቲ ኽቕድሳ።
ኤፌሶን 5:25–26
ዝምርምር እዩ እሞ።
1ይ ቆሮንቶስ 2:10
ባርያ ጐይታኡ ዝገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፥ ደጊም ኣዕርኽተይ እምበር፥ ባሮተይ ኣይብለኩምን፤ ኣነ ግና፥ እቲ ዅሉ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕኽዎ፥ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም፥ ኣዕርኽተይ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ።
ዮሃንስ 15:15
ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት፥ ንኣኻትኩም ተውሂቡ ኣሎ።
ማቴዎስ 13:11
ንሕና ግና፥ ነቲ እግዚኣብሄር ብኸምኡ ዝሃበና ፀጋ ምእንቲ ኽንፈልጥስ፥ ነቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝኾነ መንፈስ ደኣ ተቐበልና እምበር፥ ናይዝ ዓለም መንፈስ ኣይተቐበልናን።
1ይ ቆሮንቶስ 2:12
ምእንቲ እዙይውን፥ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘለዉ ዅሎም፥ ኣቦ ኢሎም ንዝፅውዕዎ ኣብ፥ እምብርከኽ ኣለኹ። ከምቲ ብዝሒ ኽብሩ፥ ብመንፈስ ቅዱስ ንውሽጣዊ ሰብነትኩም፥ ብሓይሊ ምእንቲ ኸበርትዐኩም እፅሊ ኣለኹ። ክርስቶስ ... ኣብ ፍቕሪ ሱር ክትሰዱን ክትምስረቱን፥ ምስ ኵሎም ቅዱሳን ኴንኩምውን፥ እቲ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ምግፋሑን፥ ምንዋሑን፥ ምዕማቑን፥ ቁመቱን፥ ክንደይ ዝኣክል ምዃኑ ምስትውዓል ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ነታ ልዕሊ ፍልጠት ዝኾነት ፍቕሪ ክርስቶስ ድማ ኽትፈልጥዋ፥ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ምእንቲ ኽትመልኡ እፅሊ ኣለኹ።
ኤፌሶን 3:14–19
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ14 ታሕ 2025
ዳዊት 66:2 · ኢሳይያስ 43:21
13 ታሕ 2025
2ይ ጢሞቴዎስ 2:1 · ቈላስይስ 1:11
12 ታሕ 2025
ሶፎንያስ 3:15 · ኢሳይያስ 41:10
11 ታሕ 2025
ሮሜ 14:16 · 1ይ ተሰሎንቄ 5:22
10 ታሕ 2025
ዮሃንስ 10:29 · 2ይ ጢሞቴዎስ 1:12
9 ታሕ 2025
ምሳሌ 21:3 · ሚክያስ 6:8






