23 ታሕ 2025
ዕለታዊ ብርሃን, 24 ታሕሳስ: ከም ፍቓድ ስጋ እንተ ነበርኩም፥ ክትሞቱ ኢኹም (ሮሜ 8:13)
ዕለታዊ ብርሃን
ከም ፍቓድ ስጋ እንተ ነበርኩም፥ ክትሞቱ ኢኹም። ነቲ ተግባራት ስጋ፥ ብመንፈስ እንተ ቐቲልኩምዎ ግና፥ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።
ሮሜ 8:13
ተግባር ስጋ ግሁድ እዩ፤ ንሱ ኸዓ ዝሙት ... ስድነት ዘለዎ ጐይላ፥ ነዙይ ዝመስል ኵሉን እዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዘጠንቀቕኩኹም፥ እቶም ነዙይ ዝመስል ዝገብሩ ዅሎም፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ኣይወርሱን እዮም። ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ፍቕሪ፥ ሓጐስ፥ ሰላም፥ ትዕግስቲ፥ ልግሲ፥ ሕያዋይነት፥ እምነት፥ ለውሃት፥ ንባዕልኻ ምግዛእ እዩ። ነዝ ኸምዙይ ዝመሰለ፥ ዝኽልክል ሕጊ የለን። እቶም ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾኑ፥ ነቲ ስጋ ምስ ክፉእ ፍትወቱን ድልየቱን፥ ሰቒሎምዎ እዮም። ብመንፈስ እንነብር እንተ ደኣ ዄንና፥ ብመንፈስ ንመራሕ።
ገላትያ 5:19, 21–25
ንዅሉ ሰብ ዘድሕን፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ተገሊፁ እዩ እሞ፥ እዝ ፀጋ እዙይ፥ ሓጢኣትን ዓለማዊ ድልየትን ሓዲግና፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ርእስና መሊኽና፥ ብፅድቅን ብመንፈሳዊ ህይወትን፥ ክንነብር ይምህረና። ከምዙይ ኢልና፥ ነቲ ብሩኽ ተስፋና፥ ናይቲ ዓብዪ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሪ ኽግለፅ፥ ንፅበ ኣለና። ንሱ ኻብ ኵሉ ሓጢኣት ሓራ ምእንቲ ኸውፅአና፥ ንሰናይ ግብሪ ዝቐንኡ።
ቲቶ 2:11–14
ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ንኣንኩስ “እዞም ዕብራውያን እዚኣቶም ኣብዙይ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ?” በሉ።
1ይ ሳሙኤል 29:3
ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተፀረፍኩም፥ እቲ ኽቡር መንፈስ እግዚኣብሄር፥ ኣባኻትኩም ስለ ዝሓድር፥ ብፁኣን ኢኹም። ሓደኳ ኻባኻትኩም ቀታሊ፥ ወይ ሰራቒ፥ ወይ ገባሪ ክፉእ፥ ወይ ኣብ ነገር ካልኦት ኢዱ ዘእቱ ብምዃኑ፥ መከራ ዝቕበል ኣይሃሉኹም።
1ይ ጴጥሮስ 4:14–15
ስለዙይ ኣባኻትኩም ዘሎ ሰናይ ነገር እዩ እትብልዎ፥ ካልኦት ከም ዝነቕፍዎ ኣይትግበሩ።
ሮሜ 14:16
እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዝሓምዩኹም ዘለዉ።
1ይ ጴጥሮስ 2:12
ግቡእ ብዘይኮነ ኣካይዳ፥ ምስቶም ዘይኣምኑ ብሓደ ኣይትፀመዱ፤ ፅድቂ ምስ ሓጢኣት፥ እንታይ ዘራኽብ ኣለዎ? ወይ ከዓ ብርሃን ምስ ፀልማት፥ እንታይ ሕብረት ኣለዎ? ... ምስኣቶም ክነብር እየ፤ ኣብ ማእኸሎም ክመላለስ እየ፤ ... “ ‘ስለዙይ ካብ ማእኸሎም ውፁ፤ ዝተፈለኹም ኩኑ’ ይብል እግዚኣብሄር። ‘ርኹስ ኣይትንክኡ።
2ይ ቆሮንቶስ 6:14, 16–17
ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።
1ይ ጴጥሮስ 2:9
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ22 ታሕ 2025
1ይ ተሰሎንቄ 1:3 · ዮሃንስ 6:29
21 ታሕ 2025
ኢሳይያስ 60:20 · ዮሃንስ 16:33
20 ታሕ 2025
ኤፌሶን 1:4 · 2ይ ተሰሎንቄ 2:13
19 ታሕ 2025
ዳዊት 112:4 · ኢሳይያስ 50:10
18 ታሕ 2025
ዕብራውያን 4:16 · ፊልጵስዩስ 4:6–7
17 ታሕ 2025
ዳዊት 80:18 · ዮሃንስ 6:63






