28 ታሕ 2025
ዕለታዊ ብርሃን, 29 ታሕሳስ: ስለዙይ ፍቓድ እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር
ዕለታዊ ብርሃን
ስለዙይ ፍቓድ እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፥ ዓያሹ ኣይትኹኑ።
ኤፌሶን 5:17
ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ንስኻትኩም ክትቅደሱን ካብ ዝሙት ክትርሕቑን እዩ እሞ።
1ይ ተሰሎንቄ 4:3
“ሕዚ እውን ምስኡ ተሰማማዕ፤ ሰላምውን ይሃሉኻ፤ ከምዙይ እንተ ጌርካ ፅቡቕ ክትረክብ ኢኻ።
ኢዮብ 22:21
ናይ ዘለኣለም ህይወት ከዓ፥ በይንኻ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ንዝኾንካን፥ ንዝለኣኽካዮ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ምፍላጥ እዩ።
ዮሃንስ 17:3
ወዲ እግዚኣብሄር ከም ዝመፀን፥ ነቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ዝኾነ ምእንቲ ኽንፈልጦ ኢሉ፥ ምስትውዓል ከም ዝሃበናን ንፈልጥ ኢና። ንሕና ብወዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ዝኾነ ኢና ዘለና። ንሱ፥ እቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዩ።
1ይ ዮሃንስ 5:20
በቲ ፍልጠት ፍቓዱ፥ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ምስትውዓልን ክመልአኩም፥ ብዛዕባኻትኩም ካብ ምፅላይ፥ ኣቋሪፅና ኣይንፈልጥን።
ቈላስይስ 1:9
ነቲ ኣቦ ኽብሪ፥ ኣምላኽ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንእኡ ብዝበለፀ ምእንቲ ኽትፈልጥዎ፥ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላፅን፥ ምእንቲ ኽህበኩም፥ ኣዒንቲ ልብኹም በሪሁ፥ ናይቲ ዝፀውዐኩም ተስፋ፥ እንታይ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ እቲ ንቕዱሳን ዘተስፈዎም ክቡር ርስቲ፥ ክንደየናይ ብዙሕ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽተስተውዕሉ፥ እፅሊ ኣለኹ። ኣባና ኣብ እንኣምን ከዓ፥ እቲ ኽግመት ዘይከኣል ዕቤት ሓይሉ፥ እንታይ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ እፅሊ ኣለኹ።
ኤፌሶን 1:17–19
ንእግዚኣብሄር ቅረብዎ፤ ንሱውን ክቐርበኩም እዩ።
ያእቆብ 4:8
ሄኖክ ኣካይዳኡ ምስ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበረ ኣይተረኽበን።
ዘፍጥረት 5:24
ክልተ ሰባት እንተይተሰማምዑዶ፥ ብሓደ ይኸዱ እዮም?
ኣሞፅ 3:3
ንኣይ ግና ናብ እግዚኣብሄር ምቕራብ ይሕሸኒ።
ዳዊት 73:28
ንስኻትኩም ምስ እግዚኣብሄር እንተ ዄንኩም ንሱውን ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ፤ እንተ ደሊኹምዎውን ክርከበልኩም እዩ። ንስኻትኩም እንተ ሓዲግኩምዎ ግና ንሱ ኸዓ ኽሓድገኩም እዩ። ብጊዜ መከራኦም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተመሊሶም ምስ ደለይዎ ረኸብዎ።
2ይ ዜና 15:2, 4
ንኣኻትኩም ዘለኒ ሓሳብ ኣነ እፈልጦ እየ፤ ሰናይ ፍፃመን ተስፋን ክህበኩም፥ ናይ ሰላም ሓሳብ እምበር፥ ናይ ክፉእ ሓሳብ ኣይኮነን። ክትፅውዑኒ፥ መፂእኹም ድማ ናባይ ክትፅልዩ ኢኹምሞ፥ ኣነውን ክሰምዐኩም እየ። ክትደልዩኒ ኢኹም፤ ብምሉእ ልብኹም እንተ ደሊኹምኒ ኸዓ ኽትረኽቡኒ ኢኹም።
ኤርሚያስ 29:11–13
ስለዙይ ኣሕዋተይ፥ ብደም ክርስቶስ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ንምእታው፥ መተኣማመኒ ረኺብና ኢና። እንኣትዎ ኸዓ በቲ መጋረጃ ... ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዓብዪ ካህን ስለዘለና፥ ኻብ ክፉእ ሕሊና ምእንቲ ኽንነፅህ፥ ልብና ተነፂግና።
ዕብራውያን 10:19–22
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ27 ታሕ 2025
2ይ ቆሮንቶስ 4:18 · ዕብራውያን 13:14
26 ታሕ 2025
1ይ ቆሮንቶስ 15:58 · 1ይ ቆሮንቶስ 15:58
25 ታሕ 2025
ቲቶ 3:4 · ኤርሚያስ 31:3
24 ታሕ 2025
ሮሜ 8:13 · ገላትያ 5:19
23 ታሕ 2025
ኢሳይያስ 27:5 · ኤርሚያስ 29:11
22 ታሕ 2025
1ይ ተሰሎንቄ 1:3 · ዮሃንስ 6:29






