29 ታሕ 2025
ዕለታዊ ብርሃን, 30 ታሕሳስ: ንሱ ኽሳዕ መወዳእታ ኸፅንዐኩም እዩ (1ይ ቆሮንቶስ 1:8)
ዕለታዊ ብርሃን
ንሱ ኽሳዕ መወዳእታ ኸፅንዐኩም እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 1:8
ንስኻትኩም፥ ቀደም ካብ እግዚኣብሄር ዝረሓቕኩም፥ ብሓሳብኩምን ብኽፉእ ግብርኹምን፥ ፀላእቱ ነበርኩም። ንሱ ግና፥ ነውርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ፥ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኸቑመኩም፥ ብሞት ስጋዊ ሰብነት ወዱ ገይሩ ዓረቐኩም። እዙይ ከዓ ተመስሪትኩምን ደልዲልኩምን፥ ካብቲ ብወንጌል ዝረኸብኩምዎ ተስፋ እንተይተነቓነቕኩም፥ ኣብ እምነትኩም እንተ ፀኒዕኹም እዩ።
ቈላስይስ 1:21–23
እዙይ እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ማእኸል እዛ ቐይናንን ጠዋይን ትውልዲ እዚኣ፥ ጕድለት ዘይብሎም ንፁሃትን፥ ነቐፋ ዘይብሎም ውሉድ እግዚኣብሄርን ኴንኩም፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ከም ብርሃናት ክትበርሁ ኢኹም።
ፊልጵስዩስ 2:15
ስለዙይ ከዓ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ ነዙይ እናተፀበኹም፥ ብዘይ ነውርን፥ ብዘይ ነቐፋን ኴንኩም፥ ብሰላም ምእንቲ ኽረኽበኩም፥ ብትግሃት ንበሩ።
2ይ ጴጥሮስ 3:14
ንፁሃትን ነቐፋ ዘይብልኩምን ኴንኹም ምእንቲ ኽትርከቡ።
ፊልጵስዩስ 1:10
ነቲ ኻብ ውድቀት ክሕልወኩም፥ ነውሪ ዘይብልኩም ገይሩ፥ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ብታሕጓስ ከቑመኩም ዝከኣሎ፥ ነቲ ብጐይታና፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ፥ መድሓኒና ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ቅድሚ ዅሉ ዘመናትን፥ ሕዝን፥ ንዘለኣለመ ኣለምን፥ ክብሪ፥ ግርማ፥ ሓይሊ፥ ስልጣን፥ ይኹኖ።
ይሁዳ 1:24–25
ንሱ ነእጋር ቅዱሳኑ ይሕልወን።
1ይ ሳሙኤል 2:9
“ምስኡ ሕብረት ኣለና” እናበልና፥ ኣብ ፀልማት እንተ ነበርና ንሕሱ፤ ንሓቂ እውን ኣይንገብራን ዘለና። ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፥ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና፥ ንስንሳትና ሕብረት ኣለና፤ ደም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንፅሀና እዩ።
1ይ ዮሃንስ 1:6–7
ኵለንትናኡ ንፁህ እዩ እሞ፥ እንትርፊ ኣእጋሩ፥ ምሕፃብ ኣየድልዮን፤ ንስኻትኩም ከዓ ንፁሃት ኢኹም።
ዮሃንስ 13:10
መንገዲ ጥበብ መሃርኩኻ፤ ብመንገዲ ቕንዕና መራሕኹኻ። ክትኸድ እንተለኻ፥ ንስጕምትኻ ኽዓግቶ ዝኽእል የለን፤ ክትጐዪ እንተለኻውን ኣይትዕንቀፍን ኢኻ። ... ህይወትካ እያ እሞ ሓዛ፤ ... ካብኣ ረሓቕ፤ ኣይትኺዳውን፤ ኣግሊስካ መንገድኻ ኺድ። ኣዒንትኻ ቐኒዐን ይርኣያ፤ ቀራንብትኻውን ንቕድሚት ይጠምታ። መንገዲ ኣእጋርኻ ኣቕንዕ፤ ኵሉ ኣካይዳኻውን ይፅናዕ። ንየማን ወይ ንፀጋም ኣይትበል፤ ንእግርኻውን ካብ ክፉእ ኣርሕቆ።
ምሳሌ 4:11–13, 15, 25–27
እግዚኣብሄር፥ ካብ ኵሉ ኽፉእ ግብሪ ኸናግፈኒ፥ ሓልዩ ኸዓ፥ ናብታ ሰማያዊት መንግስቱ ኸብቅዐኒ እዩ። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
2ይ ጢሞቴዎስ 4:18
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ28 ታሕ 2025
ማርቆስ 2:5 · ኤርሚያስ 31:34
27 ታሕ 2025
2ይ ቆሮንቶስ 4:18 · ዕብራውያን 13:14
26 ታሕ 2025
1ይ ቆሮንቶስ 15:58 · 1ይ ቆሮንቶስ 15:58
25 ታሕ 2025
ቲቶ 3:4 · ኤርሚያስ 31:3
24 ታሕ 2025
ሮሜ 8:13 · ገላትያ 5:19
23 ታሕ 2025
ኢሳይያስ 27:5 · ኤርሚያስ 29:11






