26 ጥሪ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 27 ጥሪ: ክርስቶስ፥ ንሓጢኣት ከርሕቕ ኢሉ ኸም ዝተገልፀ፥ ትፈልጡ ኢኹም
ዕለታዊ ብርሃን
ክርስቶስ፥ ንሓጢኣት ከርሕቕ ኢሉ ኸም ዝተገልፀ፥ ትፈልጡ ኢኹም፤ ኣብኡውን ሓጢኣት የለን።
1ይ ዮሃንስ 3:5
እግዚኣብሄር ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ... ኣብዘን ዳሕረዎት መዓልቲታት ግና፥ ንኣና በቲ ወራሲ ኵሉ ብዝገበሮ፥ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተናገረና። ንሱውን ክብሪ እግዚኣብሄር መግለፂ፥ ንዅሉ ነገር ብናይ ቃሉ ሓይሊ ዘቕውም፥ ብባህርዩ ፍፁም ኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝኾነ እዩ። ሓጢኣትና ምስ ኣንፅሀውን፥ ኣብ ሰማይ ኣብ የማን ልዑል እግዚኣብሄር ተቐመጠ።
ዕብራውያን 1:1–3
ንሕና ብክርስቶስ፥ ተኻፈልቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽንከውን፥ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ንእኡ ከም ሓጢኣት ገበሮ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:21
ኣብዝ ምድሪ ኣጋይሽ ኴንኩም፥ ኣብ ትነብሩሉ ጊዜ፥ ንእኡ ብምፍራሕ ንበሩ። ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም ዝወረስኩምዎ፥ ከንቱ ዝኾነ ህይወት ዝደሓንኩም፥ ብዝጠፍእ ነገር፥ ብብሩር ወይ ብወርቂ ዘይኮነስ፥ ... ንሱ ቕድሚ ምፍጣር ዓለም ዝተፈልጠ እንትኸውን፥ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና፥ ምእንታና ተገሊፁ እዩ።
1ይ ጴጥሮስ 1:17–20
ቤዛ ዅሉ ኸም ዝሞተ፥ ኵላቶም ከዓ ተኻፈልቲ ሞቱ ኸም ዝኾኑ ስለ ዝተረዳእና፥ ፍቕሪ ክርስቶስ ግዲ ይብለና እዩ እሞ። እቶም ብህይወት ዝነብሩ፥ ነቲ ምእንትኣቶም ዝሞተን ዝተስአን እምበር፥ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፥ ክርስቶስ ምእንቲ ዅላቶም ሞተ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:14–15
ሎሚ ሰማይን ምድርን ምስክረይ እዮም። እምበኣር ንስኻትኩምን ዘርእኹምን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩ።
ዘዳግም 30:19
ኣነስ ሞት ሓደ እኳ ኣይፈቱን እየ እሞ ተመለሱ፤ ብህይወት ከዓ ንበሩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ሕዝቅኤል 18:32
ኣነ መፂአ እንተ ዘይነግሮምስ፥ ሓጢኣት ኣይምኾኖምን ነይሩ፤ ሕዚ ግና ንሓጢኣቶም ምኽንያት የብሎምን።
ዮሃንስ 15:22
እቲ ፍቓድ ጐይታኡ ፈሊጡ ዘይተዳለወ፥ ከምታ ፍቓዱውን ዘይገበረ ኣገልጋሊ፥ ብዙሕ መቕፃዕቲ ኽቕፃዕ እዩ።
ሉቃስ 12:47
ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ፥ ውህብቶ ፀጋ እግዚኣብሄር ግና፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
ሮሜ 6:23
እቲ ብወልድ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ እቲ ብወልድ ዘይኣምን ግና፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ደኣ ኣብ ልዕሊኡ ይነብር እምበር፥ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ኣይሪኣን እዩ።”
ዮሃንስ 3:36
ከም እዙዛት ባሮት ኴንኩም፥ ርእስኹም እንተ ኣግዛእኹም፥ ናይቲ እትእዘዝዎ፥ ባሮት ከም ዝኾንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እምበኣር፥ ንሞት ናይ ሓጢኣት ባሮት ወይ ንፅድቂ ናይ ምእዛዝ ባሮት ኢኹም።
ሮሜ 6:16
እቲ ኸገልግለኒ ዝደሊ ይከተለኒ፤ እቲ ዘገልግለኒ ኸዓ፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ ኽነብር እዩ። ነቲ ዘገልግለኒውን፥ ኣብ ከኽብሮ እዩ።
ዮሃንስ 12:26
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ25 ጥሪ 2026
ሮሜ 3:22 · 2ይ ቆሮንቶስ 5:21
24 ጥሪ 2026
ፊልጵስዩስ 4:5 · 1ይ ተሰሎንቄ 4:16–18
23 ጥሪ 2026
ሮሜ 5:5 · ኢሳይያስ 49:23
22 ጥሪ 2026
ዳዊት 48:14 · ኢሳይያስ 25:1
21 ጥሪ 2026
ዮሃንስ 15:2 · ሚልክያስ 3:2–3
20 ጥሪ 2026
ኢሳይያስ 9:6 · ዮሃንስ 1:14






