22 ጥሪ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 23 ጥሪ: ክትፈልጢ ኢኺ፤ እቶም ንኣይ ተኣማሚኖም ዝፅበዩኒ ድማ ኣይሓፍሩን
ዕለታዊ ብርሃን
እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ።
ሮሜ 5:5
ክትፈልጢ ኢኺ፤ እቶም ንኣይ ተኣማሚኖም ዝፅበዩኒ ድማ ኣይሓፍሩን።”
ኢሳይያስ 49:23
“ብእግዚኣብሄር ዝእመን፥ እምነቱውን ኣብ እግዚኣብሄር ዝገብር ሰብ፥ ቡሩኽ እዩ።
ኤርሚያስ 17:7
በኣኻ ተኣሚና እያ እሞ፥ እዛ በኣኻ እትእመን ነፍሲ፥ ፈፂምካ ብሰላም ክትሕልዋ ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም እምባ እዩሞ፥ ንዘለኣለም ብእግዚኣብሄር ተኣመኑ።
ኢሳይያስ 26:3–4
ግና ኦ ነፍሰይ፥ ንስኺ ንእግዚኣብሄር ተገዝኢ፤ ተስፋይ ካብኡ እያሞ። ንሱ ኣምላኸይን መድሓኒተይን እዩሞ፤ ዕርደይ ንሱ እዩ፤ ፈፂመ ኣይህወኽን እየ።
ዳዊት 62:5–6
ግና ንመን ከም ዝኣመንኩ ስለ ዝፈልጥ፥ ኣይሓፍርን እየ።
2ይ ጢሞቴዎስ 1:12
ስለዙይውን እግዚኣብሄር፥ እቲ ምኽሩ ኸም ዘይልወጥ፥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ ብገሃድ ከርእዮም ምስ ደለየ፥ ብማሕላ ኣረጋገፀሎም። እምበኣር ንሕና በዘን ክልተ ዘይልወጣ ነገራት፥ ማለት ተስፋኡን ማሕላኡን፥ እግዚኣብሄር ከዓ ብኣኣተን ክሕሱ ዘይከኣሎ፥ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምውራስ፥ ናብኡ ተማዕቚብና ዘለና፥ ብርቱዕ ምፅንናዕ ክንረክብ ኢና። እዛ ተስፋ እዚኣ፥ ድልድልትን ፅንዕትን ዝኾነት፥ ናይ ህይወትና መልህቅ እያ። ብመጋረጃ ሓሊፋ፥ ናብታ ውሽጣዊት መቕደስ እትበፅሕውን እያ። ኢየሱስ ድማ ኸም መዓርግ መልከ ፄዴቅ፥ ናይ ዘለኣለም ሊቀ ካህናት ኮይኑ።
ዕብራውያን 6:17–20
እቲ ናይ መስቀል ዕንቅፋት ከዓ ምተወገደ ነይሩ።
ገላትያ 5:11
ሽዑ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ክኽተለኒ ዝደሊ ንህይወቱ ይኽሓድ፤ መስቀሉ ኣልዒሉ ድማ ይከተለኒ።
ማቴዎስ 16:24
ንእግዚኣብሄር ምፅላእ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ነዝ ዓለም እዙይ ዘፍቅር፥ ፀላኢ እግዚኣብሄር ይኸውን።
ያእቆብ 4:4
ኣብ እምነቶም ፀኒዖም ክነብሩውን ኣተባብዕዎም።
ግብሪ ሃዋርያት 14:22
ብእኡ ዝኣምን ከዓ፥ ኣይሓፍርን እዩ ኸም ዝበሎ እዩ።
ሮሜ 9:33
እምበኣር ንእትኣምኑ ንኣኻትኩም ክቡር እዩ። ነቶም ዘይኣምኑ ግና፥ እቲ “ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ” ከምኡውን፦ መዐንቀፊ እምንን።
1ይ ጴጥሮስ 2:7–8
ኣነ ግና፥ ዓለም ንኣይ ዝተሰቕለትሉ፥ ኣነውን ንዓለም ዝተሰቐልኩሉ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ትምክሕቲ ኻባይ ይርሓቕ።
ገላትያ 6:14
ኣነ ምስ ክርስቶስ ተሰቒለ ኣለኹ።
ገላትያ 2:20
እቶም ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾኑ፥ ነቲ ስጋ ምስ ክፉእ ፍትወቱን ድልየቱን፥ ሰቒሎምዎ እዮም።
ገላትያ 5:24
እንተ ተዓገስና፥ ምስኡ ኸዓ ኽንነግስ ኢና። እንተ ኸሓድናዮ፥ ንሱውን ክኽሕደና እዩ።
2ይ ጢሞቴዎስ 2:12
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ21 ጥሪ 2026
ዮሃንስ 15:2 · ሚልክያስ 3:2–3
20 ጥሪ 2026
ኢሳይያስ 9:6 · ዮሃንስ 1:14
19 ጥሪ 2026
ግብሪ ሃዋርያት 20:19 · ማቴዎስ 20:26–28
18 ጥሪ 2026
ሮሜ 5:14 · ዕብራውያን 2:9
17 ጥሪ 2026
ኢሳይያስ 38:17 · 1ይ ዮሃንስ 4:9–10
16 ጥሪ 2026
ቈላስይስ 1:19 · ዮሃንስ 3:35






