27 ጥሪ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 28 ጥሪ: ሓይልኻ ድማ ኸም ምሉእ ዕድሜኻ ይኹን (ዘዳግም 33:25)
ዕለታዊ ብርሃን
ሓይልኻ ድማ ኸም ምሉእ ዕድሜኻ ይኹን።”
ዘዳግም 33:25
ኣሕሊፎም ንኽህቡኹም ክወስዱኹም እንተለዉ፥ እንታይ ክንብል ኢና? እንታይከ ኽንዛረብ ኢና? ኢልኩም ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑ። ሽዑ ዝውሃበኩም ተዛረቡ፤ እትዛረቡ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን፥ መንፈስ ቅዱስ እዩ እምበር።
ማርቆስ 13:11
እምበኣርከስ፥ ፅባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፥ ብዛዕባ ፅባሕ ኣይትጨነቑ፤ ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ እዩ።”
ማቴዎስ 6:34
ኣምላኽ እስራኤል፥ ንህዝቡ ሓይልን ፅንዓትን ይህብ። እግዚኣብሄር ይመስገን።
ዳዊት 68:35
ንሱ ንድኹም ሓይሊ ይህብ፤ ሓይሊ ንዘይብሉ ኸዓ ብርትዐ ይውስኽ።
ኢሳይያስ 40:29
ንሱ ግና “ሓይለይ ኣብ ድኻም እዩ ፍፁም ዝኸውን እሞ፥ ፀጋይ ይኣኽለካ” በለኒ። ስለዙይ ሓይሊ ክርስቶስ፥ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኽሓድር፥ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ። እንትደክም፥ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፥ ብፀርፊ፥ ብሓሳር፥ ብስደት፥ ብመከራ እሕጐስ ኣለኹ።
2ይ ቆሮንቶስ 12:9–10
በቲ ሓይሊ ዝህበኒ ክርስቶስ፥ ንዅሉ ኽገብሮ እኽእል እየ።
ፊልጵስዩስ 4:13
ኦ ነፍሰይ! ብሓይሊ ንቕድሚት ገስግሲ።
መሳፍንት 5:21
ንፋስ ሰሜን፥ ተስእ፤ ... ምዑዝ ሽቱ ምእንቲ ኽመልኦ፥ ኣብ ልዕሊ ገነተይ ንፈስ።
መሃልየ 4:16
ኵሉ ቕፅዓት፥ ንጊዜኡ የሕዝን እምበር ኣየሐጕስን እዩ፤ ብትዕግስቲ ንዝተቐበልዎ ግና፥ ንሓዋሩ ሰላም ዝመልኦ፥ ናይ ፅድቂ ፍረ እዩ ዘፍርየሎም።
ዕብራውያን 12:11
ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ፍቕሪ፥ ሓጐስ፥ ሰላም፥ ትዕግስቲ፥ ልግሲ፥ ሕያዋይነት፥ እምነት።
ገላትያ 5:22
ንፋስ ምብራቕ ከም ዝነፍስ ብሓያል ህቦብላ ኣወገዶም።
ኢሳይያስ 27:8
ከምቲ ኣቦ ንውሉዱ ዝርህርሀሎም፥ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዝፈርሕዎ ይርህርሀሎም እዩ።
ዳዊት 103:13
እቲ ናይ ወፃኢ ሰብነትና እንተበለየ እኳ፥ ውሽጣዊ ሰብነትና በብመዓልቱ ይሕደስ እዩ። እዝ ቐልጢፉ ዝሓልፍን፥ ቀሊል ዝኾነ መከራና ኸዓ፥ ካብ ኵሉ ዝበልፅን፥ ማዕረ ዘይብሉን፥ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ኸውህበና እዩ። እቲ ዝረአ ሓላፋይ እዩ፤ እቲ ዘይረአ ግና ዘለኣለማዊ እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 4:16–18
ውሉድ እኳ እንተ ኾነ፥ በቲ ዝተቐበሎ መከራ ተኣዛዚ ምዃን ተምሃረ።
ዕብራውያን 5:8
ስለዙይ ብድኻምና ኽርህርሀልና ዘይኽእል ሊቀ ካህናት ኣይኮነን።
ዕብራውያን 4:15
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ26 ጥሪ 2026
ዕብራውያን 13:13–14 · 1ይ ጴጥሮስ 4:12–13
25 ጥሪ 2026
ሮሜ 3:22 · 2ይ ቆሮንቶስ 5:21
24 ጥሪ 2026
ፊልጵስዩስ 4:5 · 1ይ ተሰሎንቄ 4:16–18
23 ጥሪ 2026
ሮሜ 5:5 · ኢሳይያስ 49:23
22 ጥሪ 2026
ዳዊት 48:14 · ኢሳይያስ 25:1
21 ጥሪ 2026
ዮሃንስ 15:2 · ሚልክያስ 3:2–3






