1 ለካ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 2 ለካቲት: ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፥ ተሲእኹም ፀልዩ በሎም (ሉቃስ 22:46)
ዕለታዊ ብርሃን
ሓዘን ካብ ዘምፅአለይ ክፉእ ነገር ሓልወኒ ኢሉ ንኣምላኽ እስራኤል ፀውዐ።
1ይ ዜና 4:10
ንሱ ኸዓ “ስለ ምንታይ ትድቅሱ? ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፥ ተሲእኹም ፀልዩ” በሎም።
ሉቃስ 22:46
መንፈስ ድልዊ እዩ፤ ስጋ ግና ድኹም እዩ” በሎም።
ማቴዎስ 26:41
“ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣነ ኽልተ ነገር ካባኻ እደሊ ኣለኹ፤ ክሳዕ ዕለተ ሞተይ ንኣኣተን ኣይትኽልአኒ፤ ካብ ምትላልን ሓሰትን ሓልወኒ፤ ፀጊበ ኸይክሕደካ እሞ ‘እግዚኣብሄር መን እዩ?’ ኸይብል፥ ወይ ደኽየ ኸይሰርቕ እሞ ስምካ፥ ስም ኣምላኸይ ከየፅርፍስ፥ ድኽነትን ሃብትን ኣይትሃበኒ፤ ግና እቲ ዘድልየኒ እንጀራ ሃበኒ።”
ምሳሌ 30:7–9
እግዚኣብሄር ካብ ኵሉ ኽፉእ ክሕልወካ እዩ፤ ንነፍስኻውን ኽሕልዋ እዩ።
ዳዊት 121:7
ካብ ኢድ ክፉኣት ከናግፈካ፥ ካብ ኢድ ሓያላት ከዓ ኽቢዘወካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኤርሚያስ 15:21
ሓጢኣት ከም ዘይገብር ንፈልጥ ኢና። እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተወለደ ርእሱ ይሕሉ፤ እቲ ኽፉእውን ኣይነኽኦን።
1ይ ዮሃንስ 5:18
ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሓለኻዮ፥ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ ክትፍትኖም ናብ ኵላ ዓለም እትመፅእ ጊዜ ፈተና፥ ክሕልወካ እየ።
ራእይ 3:10
ጐይታ ኸዓ ነቶም ዝፈርሕዎ፥ ካብ ፈተና ኸመይ ገይሩ ኸም ዘድሕኖም፥ ንገበርቲ ዓመፃ ድማ።
2ይ ጴጥሮስ 2:9
ብኽብርስ፥ ኮኸብውን ካብ ኮኸብ ይበልፅ እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 15:41
መን ከም ዝዓቢ፥ ንስንሳቶም ይካትዑ ነበሩ እሞ ስቕ በሉ። ኢየሱስ ምስ ተቐመጠ ድማ፥ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ፀዊዑ “እቲ ሓለቓ ክኸውን ዝደሊ፥ ትሕቲ ዅሉን ኣገልጋሊ ዅሉን ይኹን” በሎም።
ማርቆስ 9:34–35
ንትሑታት ግና ፀጋ ይህቦም። ከም ዝብል፥ ትሕትና ለቢስኩም፥ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል። ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኸብለኩም፥ ኣብ ትሕቲ እታ ሓያል ኢድ እግዚኣብሄር፥ ርእስኹም ትሕት ኣብሉ።
1ይ ጴጥሮስ 5:5–6
ከምዙይ ከዓ እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበረ ሓሳብ፥ ኣባኻትኩምውን ይሃሉኹም። ንሱ ብባህርዩ ኣምላኽ እኳ እንተ ኾነ ... እኳ ደኣ ሰብ ብምዃን፥ መልክዕ ባርያ ብምውሳድ፥ ብፍቓዱ ንባዕሉ ድኻ ገበረ። ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ኣበሎ፤ ልዕሊ ዅሉ ስም ዝኾነ ስም ከዓ ሃቦ። ስለዙይ ንኽብሪ ስም ኢየሱስ።
ፊልጵስዩስ 2:5–7, 9–10
እቶም ጠቢባን፥ ከም ናይ ሰማይ ፀዳል ክበርሁ እዮም፤ እቶም ንብዙሓት ናብ ፅድቂ ዝመርሑውን፥ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለመ ኣለም ክበርሁ እዮም።
ዳንኤል 12:3
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ31 ጥሪ 2026
ዘሑልቍ 33:55 · 1ይ ጢሞቴዎስ 6:12
30 ጥሪ 2026
ዕብራውያን 12:1–2 · ሉቃስ 9:23
29 ጥሪ 2026
ዘፍጥረት 16:13 · ዳዊት 139:1–4
28 ጥሪ 2026
ዘዳግም 33:25 · ማርቆስ 13:11
27 ጥሪ 2026
1ይ ዮሃንስ 3:5 · ዕብራውያን 1:1–3
26 ጥሪ 2026
ዕብራውያን 13:13–14 · 1ይ ጴጥሮስ 4:12–13






