2 ለካ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 3 ለካቲት: እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፤ ንስኻትኩም ድማ ጨናፍር ኢኹም
ዕለታዊ ብርሃን
ኦ ዘሩባቤል ... ኣነ ምሳኻትኩም እየ እሞ፥ ስርሑ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ሓጌ 2:4
እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፤ ንስኻትኩም ድማ ጨናፍር ኢኹም፤ እቲ ኣባይ ዝነብር፥ ኣነውን ኣብኡ ዝነብር፥ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዝፈሪ፤ ብዘይ በኣይ፥ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ።
ዮሃንስ 15:5
በቲ ሓይሊ ዝህበኒ ክርስቶስ፥ ንዅሉ ኽገብሮ እኽእል እየ።
ፊልጵስዩስ 4:13
ብጐይታን ብፅንዓት ሓይሉን ጠንክሩ።
ኤፌሶን 6:10
ናይ እግዚኣብሄር ሓጐስ ሓይልኹም እዩ እሞ፥ ኣይትሕዘኑ በሎም።
ነህምያ 8:10
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “መቕደሱ ኽስራሕ፥ ቤት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ዝተመስረተሉ መዓልቲ ጀሚሩ።
ዘካርያስ 8:9
ንዝደኸማ ኣእዳው ኣበርትዑ፤ ንዝላሕልሑ ኣብራኽ ኣፅንዑ። ነቶም ፈራሕ ዝልቦም፥ ኣይዞኹም፥ ኣይትፍርሑ፤ እንሆ።
ኢሳይያስ 35:3–4
ሽዑ እግዚኣብሄር ናብኡ ግልፅ ኢሉ እንሆ ኣነ እልእኸካ ኣለኹ።
መሳፍንት 6:14
እግዚኣብሄር ምሳና ኻብ ኮነኸ፥ መን እዩ ዝቃወመና?
ሮሜ 8:31
ስለዙይ፥ ከምቲ ምሕረት ዝተውሃበና፥ እዝ ኣገልግሎት እዙይ ስለዘለና፥ ተስፋ ኣይንቘርፅን ኢና።
2ይ ቆሮንቶስ 4:1
እዋኑ ምስ በፅሐ ኽንዓፅድ ኢናሞ፥ ሰናይ ስራሕ ንምስራሕ ኣይንሰልኪ።
ገላትያ 6:9
ግና ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ክነሸንፍ ዝገበረና እግዚኣብሄር፥ ምስጋና ይኹኖ።
1ይ ቆሮንቶስ 15:57
ፀልማት ኣባኻ ኣይፅልምትን እዩሞ።
ዳዊት 139:12
ኣዒንቱ ኣብ መንገዲ ሰብ እየንሞ፥ ንዅሉ ስጕምቶም ይሪኦ እዩ። እቶም ገበርቲ ሓጢኣት ዝሕብኡሉ፥ ፀልማት ወይ ድነ ሞት የለን።
ኢዮብ 34:21–22
ኣነ ኸይሪኦ ኣብ ስውር ስፍራ ኽሕባእ ዝኽእልዶ ኣሎ? ይብል እግዚኣብሄር። ሰማይን ምድርን ዝመላእኹስ ኣነዶ ኣይኮንኩን? ይብል እግዚኣብሄር።
ኤርሚያስ 23:24
ካብ ግርማ ለይቲ፥ ብመዓልቲ ኻብ ዝውርወር ፍላፃ፥ ብፀልማት ካብ ዝኸይድ ክፉእ ነገር ... ኦ ጐይታ፥ ተስፋይ ንስኻ ኢኻ፤ ንልዑልውን መፀግዒኻ ገበርካዮ፤ ክፉእ ነገር ናባኻ ኣይቐርብን፤ መቕሰፍቲ እውን ናብ ገዛኻ ኣይኣቱን።
ዳዊት 91:5–6, 9–10
እቲ ዝሕልወካውን ኣይድቅስን። እግዚኣብሄር ይሕልወካ እዩ፤ እግዚኣብሄር ብየማናይ ኢድካ ኽጋርደካ እዩ። ፀሓይ ብመዓልቲ ኣየቃፅለካን፤ ብለይቲ እውን ወርሒ። እግዚኣብሄር ካብ ኵሉ ኽፉእ ክሕልወካ እዩ።
ዳዊት 121:3, 5–7
ብማእኸል ፅላሎት ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፥ ንስኻ ምሳይ ኢኻሞ ነቲ ኽፉእ ኣይፈርሕን እየ።
ዳዊት 23:4
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ1 ለካ 2026
1ይ ጴጥሮስ 1:8 · 2ይ ቆሮንቶስ 5:7
31 ጥሪ 2026
ዘሑልቍ 33:55 · 1ይ ጢሞቴዎስ 6:12
30 ጥሪ 2026
ዕብራውያን 12:1–2 · ሉቃስ 9:23
29 ጥሪ 2026
ዘፍጥረት 16:13 · ዳዊት 139:1–4
28 ጥሪ 2026
ዘዳግም 33:25 · ማርቆስ 13:11
27 ጥሪ 2026
1ይ ዮሃንስ 3:5 · ዕብራውያን 1:1–3






