27 ግን 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 28 ጉንበት: መድሓኒናን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንፅበ ኣለና
ዕለታዊ ብርሃን
መድሓኒናን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንፅበ ኣለና።
ፊልጵስዩስ 3:20
ንዅሉ ሰብ ዘድሕን፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ተገሊፁ እዩ እሞ፥ እዝ ፀጋ እዙይ፥ ሓጢኣትን ዓለማዊ ድልየትን ሓዲግና፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ርእስና መሊኽና፥ ብፅድቅን ብመንፈሳዊ ህይወትን፥ ክንነብር ይምህረና። ከምዙይ ኢልና፥ ነቲ ብሩኽ ተስፋና፥ ናይቲ ዓብዪ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሪ ኽግለፅ፥ ንፅበ ኣለና። ንሱ ኻብ ኵሉ ሓጢኣት ሓራ ምእንቲ ኸውፅአና፥ ንሰናይ ግብሪ ዝቐንኡ፥ ንእኡ ዝኾንዎ ህዝቢ ምእንቲ ኸንፅህ፥ ንባዕሉ ቤዛና ኣሕሊፉ ሃበ።
ቲቶ 2:11–14
ንሕና ግና ኸምቲ ዘተስፈወና፥ ፅድቂ ዝነብረሉ፥ ሓድሽ ሰማይን፥ ሓዳስ ምድርን፥ ንፅበ ኣለና። ስለዙይ ከዓ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ ነዙይ እናተፀበኹም፥ ብዘይ ነውርን፥ ብዘይ ነቐፋን ኴንኩም፥ ብሰላም ምእንቲ ኽረኽበኩም፥ ብትግሃት ንበሩ።
2ይ ጴጥሮስ 3:13–14
ከምኡ ኸዓ፥ እቲ ናይ ብዙሓት ሓጢኣት ምእንቲ ኸወግድ፥ ሓንሳእ ዝተሰውአ ክርስቶስ፥ ደጊም ንሓጢኣት ክፀውር ዘይኮነስ፥ ነቶም ዝፅበይዎ ኸድሕኖም፥ ካልኣይ ጊዜ ብዘይ ሓጢኣት ክግለፅ እዩ።
ዕብራውያን 9:28
በታ መዓልቲ እቲኣ “እንሆ፥ ኣምላኽና እዙይ እዩ! ተስፋና ኣብኡ ገበርና፤ ንሱ ኸዓ ኸድሕነና እዩ፤ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ተስፋና ኣብኡ ገበርና፤ ብምድሓኑ ንተሓጐስ፤ ደስውን ይበለና” ክበሃል እዩ።
ኢሳይያስ 25:9
ንስኻትኩምውን ምእንቲ ኽትረኽቡ፥ ከምኡ ጕየዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 9:24
ሃካይ ኣብ ወፃኢ ኣንበሳ ኣሎ፤ ኣብ ማእኸል።
ምሳሌ 22:13
ንዅሉ እቲ ዝኸብደናን ዝጠብቀናን ሓጢኣት ኣርሒቕና፥ በቲ ኣብ ቅድሜና ተዳልዩልና ዘሎ መቀዳደሚ፥ ብትዕግስቲ ፀኒዕና ንጕየ። ንዅሉ ውርደት ንዒቑ፥ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ።
ዕብራውያን 12:1–2
እዝ ዅሉ ተስፋ እዙይ ካብ ሃለወናስ፥ ካብቲ ዅሉ ስጋን መንፈስን ዘርክስ፥ ርእስና ነንፅህ። ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ፥ ቅድስናና ፍፁም ንግበሮ።
2ይ ቆሮንቶስ 7:1
ናብቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ኣቢለ።
ፊልጵስዩስ 3:14
ስለዙይ ኣነ እጐዪ ኣለኹ፤ ... ንኻልኦት እናሰበኽኩ፥ ንርእሰይ ዘይበቅዕ ምእንቲ ኸይከውን፥ ንሰብነተይ እቐፅዖን ኣግዝኦን ኣለኹ።
1ይ ቆሮንቶስ 9:26–27
ብእኡ ኸም ዘይጥቀሙ ኾይኖም ይንበሩ፤ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ሓላፊት እያ እሞ።
1ይ ቆሮንቶስ 7:31
ንሕና ግና ኸምቲ ዘተስፈወና፥ ፅድቂ ዝነብረሉ፥ ሓድሽ ሰማይን፥ ሓዳስ ምድርን፥ ንፅበ ኣለና። ስለዙይ ከዓ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ ነዙይ እናተፀበኹም፥ ብዘይ ነውርን።
2ይ ጴጥሮስ 3:13–14
ስለዙይ ሕቘ ልቦናኹም ተዓጢቕኩም፥ ንስራሕ ተዳለዉ፤ ብመጠን ንበሩ፤ ሙሉእ ተስፋኹም ከዓ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ እንትግለፅ፥ ኣብ እትረኽብዎ ፀጋ ይኹን።
1ይ ጴጥሮስ 1:13
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ26 ግን 2026
ዕብራውያን 13:20 · 1ይ ጴጥሮስ 5:4
25 ግን 2026
ዳዊት 31:19 · ኢሳይያስ 64:4
24 ግን 2026
ኤፌሶን 4:30 · ሮሜ 15:30
23 ግን 2026
ዘፀኣት 28:12 · ዕብራውያን 7:24–25
22 ግን 2026
ዮሃንስ 14:27 · 1ይ ዮሃንስ 2:17
21 ግን 2026
ኤፌሶን 6:10 · ዳዊት 71:16





