ዕለታዊ ብርሃን, 25 ጉንበት: ንኣና ግና፥ እግዚኣብሄር ብመንፈሱ ገይሩ ገለፀልና

ዕለታዊ ብርሃን

መዓልታዊ ብርሃን
ኩሉ ጽሑፋት

ብኣኻ ንዝኣምኑ፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ ሰብ ዘዳለኻያ።

ነቶም ዝፅበይዎ ኸምቲ ንስኻ ዝገበርካሎም ዝገብር፥ ካልእ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ኣይተሰምዐን፤ ኣብ እዝኒ ኣይተነግረን፥ ብዓይኒውን ኣይተርኣየን።

ዓይኒ ዘይረአዮ፥ እዝኒ ዘይሰምዖ፥ ልቢ ሰብውን ዘይሓሰቦ፥ እግዚኣብሄር ነቶም ዝፈትውዎ ዘዳለወሎም ይብል። ንኣና ግና፥ እግዚኣብሄር ብመንፈሱ ገይሩ ገለፀልና።

መንገዲ ህይወት ኣርአኻኒ፤ ምስ ገፅካ ታሕጓስ ኣፅገብካኒ፤ ኣብ የማንካውን ናይ ዘለኣለም ሓጐስ ኣሎ።

ኦ ጐይታ፥ ንምሕረትካ ኽንደይ ኣብዛሕኻ! ኵሎም ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍካ ይእመኑ። ካብ ቤትካ ጠሊ ይሰትዩ፤ ካብ ወሓዚ በረኸትካ ተርውዮም። ናይ ህይወት ፍልፍል ካባኻ እዩሞ፥ ብብርሃንካ ብርሃን ንርኢ።

ንቑሩብ ጊዜ ይጠቅም እዩ እሞ፤ ምልምማድ ፅድቂ ግና፥ ነዛ ሕዚ ዘላ ህይወት እዚኣን፥ ነታ እትመፅእን፥ ተስፋ ስለ ዘለዎ፥ ንዅሉ እዩ ዝጠቅም።

እቲ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝመስላ ኣዒንቲ ዘለዋኦ፥ ኣእጋሩውን ዘንፀባርቕ ነሃስ ዝመስል ወዲ እግዚኣብሄር።

“ልቢ ሰብ ካብ ኵሉ ዝበለፀ ተንኰለኛን፥ የመና ኽፉእን እዩ፤ መንከ ኽፈልጦ ይኽእል? ኣነ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መንገዱ፥ ንነፍሲ ወከፍውን ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ፥ ንልቢ እምርምሮ፤ ንዀላሊት ከዓ እፍትኖ።”

ንሓጢኣትና ኣብ ቅድሜኻ ኣንበርካ፤ ሕቡእ በደልናውን ኣብ ቅድሚ ብርሃን ገፅካ እዩ።

ጐይታ ኢየሱስ ድማ፥ ግልፅ ኢሉ ንጴጥሮስ ጠመቶ። ... ጴጥሮስ ድማ ናብ ደገ ወፂኡ፥ መሪር ብኽያት በኸየ።

ኢየሱስ ግና ንዅሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ ኣይኣመኖምን። ነቲ ዅሉ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ስለ ዝፈልጥ ከዓ፥ ሓደኳ ብዛዕባ ሰብ ክነግሮ ኣየድልዮን ነበረ።

ንሱ ኣፈጣጥራና ይፈልጥ እዩሞ፤ ኦ ጐይታ፥ ንሕና መሬት ምዃንና ዘክር።

ቅጥቁጥ ሻምብቆ ኣይሰብርን፥ ዝትኪ ፈትሊ ጧፍውን ኣየጥፍእን።

ካብ ዓመፅ ይርሓቕ፤” ከምኡውን “እግዚኣብሄር፥ ነቶም ናቱ ዝኾኑ ይፈልጦም እዩ ዝብል።

ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፤ ኣብ፥ ነኣይ ከም ዝፈልጠኒ፥ ኣነውን ንኣብ ከም ዝፈልጦ፥ ነባጊዐይ እፈልጠን እየ፤ እተን ኣባጊዐይውን ይፈልጣኒ እየን፤ ... እተን ኣባጊዐይ ግና፥ ድምፀይ ይሰምዓ እየን፤ ኣነ ኸዓ እፈልጠን እየ፤ ንሳተንውን ይስዕባኒ። ኣነ ኸዓ ናይ ዘለኣለም ህይወት እህበን፤ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፤ ካብ ኢደይውን ዘሕድገን ሓደኳ የለን።

ብሰውራዊ ኣእምሮ ተተርጒሙ፣ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተኣቲቶም — ዝኾነ ኣገናዕቲ ክፈቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ንኽትንብቡ።

© Bible Society of Ethiopia

ፎቶ ብኣህመት ዩክሰክ ✪ ኣብ Unsplash (https://unsplash.com/photos/hazy-mountain-peaks-at-sunrise-or-sunset-jUZUTcnJoQw)

ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።