19 ግን 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 20 ጉንበት: ስለዙይ ኣነ እጐዪ ኣለኹ (1ይ ቆሮንቶስ 9:25–27)
ዕለታዊ ብርሃን
ንባዕልኻን ነቲ እትህቦ ትምህርትን ተጠንቀቕ።
1ይ ጢሞቴዎስ 4:16
እቲ ዅሉ ዝቃለስ፥ ብዅሉ ንባዕሉ መሊኹ እዩ ዝነብር። እዚኣቶም ነቲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ኽቕበሉ ይፅዕሩ፤ ንሕና ግና፥ ነቲ ዘይሓልፍ ኣኽሊል ክንቅበል ኢልና ኢና እንፅዕር። ስለዙይ ኣነ እጐዪ ኣለኹ፤ ግና ኸምቲ ዕላማ ዘይብሉ ኣይኮንኩን። እቃለስ፥ ምስ ንፋስ ከም ዝቃለስ ግና ኣይኮንኩን። ንኻልኦት እናሰበኽኩ፥ ንርእሰይ ዘይበቅዕ ምእንቲ ኸይከውን፥ ንሰብነተይ እቐፅዖን ኣግዝኦን ኣለኹ።
1ይ ቆሮንቶስ 9:25–27
ንተንኰል ሰይጣን ምክልኻል ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኣፅዋር እግዚኣብሄር ብምሉኡ ልበሱ። ውግእና ምስ ኣሕሉቕን፥ ስልጣናትን፥ ምስቶም ነዝ ዘመን ፀልማት ዘመሓድሩ ገዛእቲ ዓለምን፥ ምስቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ኽፉኣት መናፍስትን እዩ እምበር፥ ምስ ስጋን ደምን ኣይኮነን።
ኤፌሶን 6:11–12
እቶም ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾኑ፥ ነቲ ስጋ ምስ ክፉእ ፍትወቱን ድልየቱን፥ ሰቒሎምዎ እዮም። ብመንፈስ እንነብር እንተ ደኣ ዄንና፥ ብመንፈስ ንመራሕ።
ገላትያ 5:24–25
ኵሎም እቶም ብመንፈስ እግዚኣብሄር ዝምርሑ ንሳቶም ውሉድ እግዚኣብሄር እዮም እሞ።
ሮሜ 8:14
እናዓበኻ ትኸይድ ከም ዘለኻ፥ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኽግለፅ፥ በዞም ነገራት እዚኣቶም፥ ኣፀቢቕካ ትጋህ፤ ንኽትፍፅሞም ከዓ፥ ኵለንትናካ ወፊ።
1ይ ጢሞቴዎስ 4:15
ኢየሱስ ድማ “ማርያም” በላ።
ዮሃንስ 20:16
ተቤዚወካ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ብስምካ ፀዋዕኩኻ፤ ንስኻ ናተይ ኢኻ።
ኢሳይያስ 43:1
እተን ኣባጊዕውን ድምፁ ይሰምዓ፤ ነተን ኣባጊዑ ኸዓ፥ በብስመን ፀዊዑ የውፅአን። ... እተን ኣባጊዑውን ድምፁ ስለ ዝፈልጣ ይስዕባኦ።
ዮሃንስ 10:3–4
እንሆ፥ ኣብ ከብዲ ኢደይ ቀሪፀኪ ኣለኹ፤ ቅፅርታትኪ ድማ ዅልሻዕ ኣብ ቅድመይ እዮም።
ኢሳይያስ 49:16
ይኹን እምበር “ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ፥ ካብ ዓመፅ ይርሓቕ፤” ከምኡውን “እግዚኣብሄር፥ ነቶም ናቱ ዝኾኑ ይፈልጦም እዩ” ዝብል።
2ይ ጢሞቴዎስ 2:19
እምበኣር ንሰማያት ዝዓረገ ዓብዪ ሊቀ ካህናት፥ ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር ስለ ዘለና።
ዕብራውያን 4:14
“ክልተ እምኒ መረግድ ውሰድ እሞ፥ ናይቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቂ ያእቆብ ስም ቅረፀሉ። ... ኣብቲ መንኰብ ኤፉድ ግበሮ። ኣነ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽዝክሮም ድማ ኣሮን ንስማቶም ይፁሮ። “ብብልሓት ዝተገብረ፥ ፍቓድ እግዚኣብሄር መፍለጢ ዝኸውን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበር። ... ዝዛነቕ ጌርካ ኣርባዕተ ዝመስርዑ ኽቡር ኣእማን ኣልግበሉ። ... እቲ ኣእማን ድማ፥ ብቝፅሪ ስም ደቂ ያእቆብ፥ ዓሰርተ ኽልተ ይኹን። ... ኣሮን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክኣቱ እንተሎ ኸዓ።
ዘፀኣት 28:9, 12, 15, 17, 21, 30
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ18 ግን 2026
ዮሃንስ 5:26 · 2ይ ጢሞቴዎስ 1:10
17 ግን 2026
ሕዝቅኤል 20:19 · 1ይ ዮሃንስ 2:6
16 ግን 2026
ሮሜ 1:1 · ዮሃንስ 13:13
15 ግን 2026
ራእይ 21:4 · ኢሳይያስ 25:8
14 ግን 2026
ፊልጵስዩስ 3:10 · ማቴዎስ 10:25
13 ግን 2026
1ይ ጢሞቴዎስ 2:8 · ዮሃንስ 4:23–24






