14 ግን 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 15 ጉንበት: እግዚኣብሄር ከዓ፥ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ክሕብስ እዩ
ዕለታዊ ብርሃን
እግዚኣብሄር ከዓ፥ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ክሕብስ እዩ። እቲ ቐዳማይ ስርዓት ሓሊፉ እዩ፤ እንሆ ዅሉ ተሓዲሱ እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይህሉን እዩ” እንትብል ሰማዕኹ።
ራእይ 21:4
ንሞት ንዘለኣለም ክውሕጦ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንንብዓት ከዓ ኻብ ናይ ኵሉ ገፅ ክሕብሶ እዩ፤ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ንውርደት ህዝቡ ኻብ ገፅ ኵላ ምድሪ ኸወግዶ እዩ።
ኢሳይያስ 25:8
መዓልቲታት ሓዘንኪ ኽውድኣ እየን፤ ኣነ እግዚኣብሄርውን ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ፥ ክኸውን እየ እሞ፥ ድሕሪ ሕዚ ፀሓይኪ ኣይዓርብን፤ ወርሕኺውን ኣይጐድልን።
ኢሳይያስ 60:20
ካብቶም ኣብኣ ዝነብሩስ ሓደ እኳ “ሓሚመ” ዝብል ኣይህሉን። ኣብኣ ንዝቕመጡ ህዝቢ እውን በደሎም ይቕረ ክበሃለሎም እዩ።
ኢሳይያስ 33:24
ድሕሪዙይ ኣብኣ ድምፂ ብኽያትን፥ ድምፂ ኣውያትን ኣይስማዕን እዩ።
ኢሳይያስ 65:19
ደስታን ሓጐስን ክረኽቡ እዮም።
ኢሳይያስ 35:10
ካብ ኢድ ሲኦል ከናግፎም እየ። ካብ ሞትውን ክብዜዎም እየ፤ ኦ ሞት፥ መቕሰፍትኻ ኣበይ ኣሎ? ኦ ሲኦል፥ ጥፍኣትካ ኣበይ ኣሎ?
ሆሴዕ 13:14
ሞት ተሸኒፉ ተውሓጠ ተብሂሉ ዝተፅሓፈ ቓል ክፍፀም እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 15:54
ኣብቲ ዘይረአ ኢና እንጥምት ዘለና።
2ይ ቆሮንቶስ 4:18
እግዚኣብሄር ምስ ክርስቶስ ኣተስአና፤ ... ኣብ ሰማያት ምስኡ ኣቐመጠና።
ኤፌሶን 2:6
ኣይትፍራሕ፤ ... እቲ ህያውን ኣነ እየ።
ራእይ 1:17–18
ኦ ኣቦ! ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፥ ንኣይ ብምፍቃርካ፥ ዝሃብካኒ ኽብሪ ምእንቲ ኽሪኡ።
ዮሃንስ 17:24
ንሕና ኸዓ፥ ኣካላት ሰብነት ክርስቶስ ኢና።
ኤፌሶን 5:30
ናይታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን፥ ርእሲ እዩ፤ ብዅሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ክኸውን።
ቈላስይስ 1:18
ንስኻትኩም ከዓ፥ በቲ ርእሲ ሕልቅነትን ስልጣናትን ዝኾነ ክርስቶስ።
ቈላስይስ 2:10
እቶም ውሉድ፥ ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰባት ስለ ዝኾኑ፥ ኢየሱስውን ከምኣቶም ሰብ ኮነ፥ እዙይ ከዓ ብሞቱ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ንዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ኽስዕሮ፥ ነቶም ብናይ ሞት ፍርሓት፥ ምሉእ ዕድመኣቶም ብባርነት ተኣሲሮም ንዝነበሩ ኸዓ፥ ሓራ ምእንቲ ኸውፅእ ኢሉ እዩ።
ዕብራውያን 2:14–15
እቲ ዝጠፍእ ዘይጠፍእ፥ እቲ መዋታይ ከዓ ዘይመውት ክለብስ ይግብኦ እዩሞ። እቲ ዝጠፍእ ዘይጠፍእ፥ እቲ መዋታይ ዘይመውት ምስ ለበሰ፥ ሽዑ፦ “ሞት ተሸኒፉ ተውሓጠ” ተብሂሉ ዝተፅሓፈ ቓል ክፍፀም እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 15:53–54
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ13 ግን 2026
1ይ ጢሞቴዎስ 2:8 · ዮሃንስ 4:23–24
12 ግን 2026
1ይ ዮሃንስ 4:7 · ሮሜ 5:5
11 ግን 2026
1ይ ቆሮንቶስ 15:34 · 1ይ ተሰሎንቄ 5:5–6
10 ግን 2026
1ይ ዮሃንስ 3:8 · ኤፌሶን 6:12
9 ግን 2026
ዕብራውያን 11:1 · 1ይ ቆሮንቶስ 15:19
8 ግን 2026
ኢሳይያስ 53:10 · ዮሃንስ 12:27–28






