11 ግን 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 12 ጉንበት: ንስኻትኩም ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባ! (ሮሜ 8:15–16)
ዕለታዊ ብርሃን
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ፍቕሪ ኻብ እግዚኣብሄር እያ እሞ፥ ንስንሳትና ንፋቐር። ዘፍቅር ኵሉ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተወለደ እዩ፤ ንእግዚኣብሄርውን ይፈልጦ እዩ።
1ይ ዮሃንስ 4:7
በቲ ዝተውሃበና መንፈስ ቅዱስ፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ልብና መሊኡ እዩ እሞ።
ሮሜ 5:5
ንስኻትኩም ነቲ ብእኡ ጌርና “ኣባ! ኣቦ!” ኢልና እንፅውዐሉ፥ መንፈስ ውሉድነት ኢኹም ዝተቐበልኩም እምበር፥ ናብ ፍርሓት ክትምለሱ፥ መንፈስ ባርነት ኣይተቐበልኩምን። ንሕና ውሉድ እግዚኣብሄር ምዃንና ኸዓ፥ እቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ባዕሉ እዩ፥ ምስ መንፈስና ኾይኑ ዝምስክር።
ሮሜ 8:15–16
ብወዲ እግዚኣብሄር ዝኣምን፥ እቲ ምስክር ኣብ ውሽጡ ኣለዎ።
1ይ ዮሃንስ 5:10
እግዚኣብሄር፥ ብወዱ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር፥ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፥ በዙይ እዩ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸልና ዝተገልፀ።
1ይ ዮሃንስ 4:9
ብእኡ፥ ማለት ብደሙ ድሕነት፥ ከምቲ ሃብቲ ፀጋኡ ድማ፥ ስርየት ሓጢኣት ረኸብና።
ኤፌሶን 1:7
እዙይ ከዓ፥ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገለፀልና ሕያዋይነት፥ ነቲ ዓቐን ዘይብሉ ሃብቲ ፀጋኡ፥ ምእንቲ ኸርኢ ኢሉ እዩ።
ኤፌሶን 2:7
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረና፥ ንሕናውን ንስንሳትና ኽንፋቐር ይግብአና እዩ።
1ይ ዮሃንስ 4:11
ነፍሰይ ፀርፍን ሓሳርን ተዓገሰት።
ዳዊት 69:20
ወዲ እቲ ፀራቢዶ ኣይኮነን?
ማቴዎስ 13:55
ናትናኤል ድማ “ካብ ናዝሬትዶ ሰናይ ኽወፅእ ይኽእል እዩ?” በሎ።
ዮሃንስ 1:46
ጋኔንውን ኣለካ ምባልናስ ሓቂዶ ኣይኮነን? ኢሎም መለሱሉ።
ዮሃንስ 8:48
ንኣጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ የውፅኦም ኣሎ በሉ።
ማቴዎስ 9:34
ንሕና እዝ ሰብኣይ እዙይ ሓጢኣተኛ ምዃኑ ኢና እንፈልጥ በልዎ።
ዮሃንስ 9:24
ገሊኣቶም “ሕያዋይ እዩ” ገሊኣቶም ድማ “ንህዝቢ እባ ደኣ የስሕት ኣሎ” ይብሉ ነበሩ።
ዮሃንስ 7:12
እንሆ ኸዓ ገሊኣቶም ካብ መምህራን ሕጊ ብልቦም “እዙይስ ንእግዚኣብሄር ይፃረፍ ኣሎ” በሉ።
ማቴዎስ 9:3
እንሆ በላዕን ሰታዪ ወይንን ዓርኪ ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን ይብሉ።
ማቴዎስ 11:19
ተምሃራይ ከም መምህሩ፥ ኣገልጋሊ ኸም ጐይታኡ እንተ ኾነ ይኣኽሎ እዩ።
ማቴዎስ 10:25
ሓደኳ ተዓሚፁ እንተሎ፥ ምእንቲ እግዚኣብሄር ኢሉ እንተ ተዓገሰ፥ ዝነኣድ ንሱ እዩሞ። ... ንስኻትኩምውን ነዙይ ኢኹም ዝተፀዋዕኹም እሞ፤ ክርስቶስ ድማ፥ ኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ፥ ምእንታኻትኩም መከራ ተቐበለ፤ ኣርኣያውን ሓደገልኩም። “ንሱ ሓጢኣት ኣይገበረን፤ ሓሰትውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን።” ምስ ፀረፍዎ መሊሱ ኣይፀረፈን፤ መከራ እንተፅንዑሉውን፥ ነቲ ብቕንዕና ዝፈርድ እግዚኣብሄር ደኣ፥ ነገሩ ኣሐሊፉ ሃበ እምበር፥ ኣየፈራርሐን።
1ይ ጴጥሮስ 2:19–23
ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተፀረፍኩም።
1ይ ጴጥሮስ 4:14
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ10 ግን 2026
1ይ ዮሃንስ 3:8 · ኤፌሶን 6:12
9 ግን 2026
ዕብራውያን 11:1 · 1ይ ቆሮንቶስ 15:19
8 ግን 2026
ኢሳይያስ 53:10 · ዮሃንስ 12:27–28
7 ግን 2026
ማቴዎስ 24:6 · ዳዊት 46:1–3
6 ግን 2026
ዳዊት 85:10 · ኢሳይያስ 45:21
5 ግን 2026
ማቴዎስ 6:31–32 · ዳዊት 34:9–10






