7 ግን 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 8 ጉንበት: እግዚኣብሄር ግና ብስቓይ ከድቅቖ ፈቐደ (ኢሳይያስ 53:10)
ዕለታዊ ብርሃን
“እግዚኣብሄር ግና ብስቓይ ከድቅቖ ፈቐደ።
ኢሳይያስ 53:10
“ሕዝስ ነፍሰይ ተጨኒቓ ኣላ፤ እንታይ እሞ ኽብል እየ? ‘ኣቦ! ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣድሕነኒ’ ግና፥ ምእንቲ እዙይ እንድየ ዝመፃእኹ፥ ናብዛ ሰዓት እዚኣውን ዝበፃሕኹ። ኦ ኣቦ! ንስምካ ኣኽብሮ” ሽዑ ኻብ ሰማይ “ኣነ ኣኽቢረዮ ኣለኹ፤ ደጊመውን ከኽብሮ እየ” ዝብል ድምፂ መፀ።
ዮሃንስ 12:27–28
ፍቓድካ እንተ ኾይኑስ፥ ነዛ ፅዋዕ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ፤ ግና ፍቓድካ ደኣ እምበር፥ ፍቓደይ ኣይኹን እናበለ ፀለየ። ዘበረታትዖ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ፥ ካብ ሰማይ ተርኣዮ።
ሉቃስ 22:42–43
ንባዕሉ ኣዋሪዱ ኽሳዕ ሞት፥ ክሳዕ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ሙማትውን ተኣዘዘ።
ፊልጵስዩስ 2:8
መሊሰ ንኽወስዳ ንነፍሰይ ቤዛ ኣሕሊፈ ዝህባ ስለ ዝኾንኩ፥ ኣብ የፍቅረኒ እዩ።
ዮሃንስ 10:17
ኣነ ኻብ ሰማይ ዝወረድኩ፥ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፥ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኮንኩን።
ዮሃንስ 6:38
ነቲ ኣቦይ ዝሃበኒ ፅዋዕ ኣይሰትዮን ድየ? በሎ።
ዮሃንስ 18:11
ኵልሻዕ ደስ ዘብሎ ስለ ዝገብር ድማ፥ ኣብ በይነይ ኣይሓድገንን እዩ” በሎም።
ዮሃንስ 8:29
ዝፈትዎ ወደይ እዙይ እዩ ዝብል ድምፂ ኻብ ሰማይ መፀ።
ማቴዎስ 3:17
ኣነ ዝሓረኽዎ፥ ብእኡ ኸዓ ደስ ዝብለኒ፥ ሕሩየይ።
ኢሳይያስ 42:1
ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተዘክርዎ ኣይትዕረፉ።
ኢሳይያስ 62:6
ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ፦ ... ንኣምላኽና፥ መንግስትን ካህናትን ገበርካዮም፤ ንሳቶም ድማ።
ራእይ 5:9–10
“እቶም መለኸት ዝነፍሑ ካህናት ከዓ ደቂ ኣሮን እዮም። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ዘለኣለማዊ ሕጊ ይኹነልኩም። ኣብ ምድሪኹም፥ ምስቲ ብግፍዒ ዝመፀኩም ፀላኢ ኽትዋግኡ እንተለኹም፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ መለኸት ንፍሑ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትዝከሩ ኢኹም፤ ካብ ፀላእትኹም ከዓ ክትድሕኑ ኢኩም።
ዘሑልቍ 10:8–9
ንዘርኢ ያእቆብ ብኸንቱ ድለዩኒ ኣይበልክዎምን፤ ኣነ እግዚኣብሄር ፅድቂ እየ ዝዛረብ።
ኢሳይያስ 45:19
ድምፆምውን ተሰምዐ፤ ፀሎቶምውን ናብ ቅዱስ ማሕደሩ ናብ ሰማይ ዓረገ።
2ይ ዜና 30:27
ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ፃድቃን፥ እዝኑ ኸዓ ናብ ልመናኦም እዩሞ።
ዳዊት 34:15
ንስንሳትኩም ሓጢኣትኩም ተናዘዙ፤ ምእንቲ ንስንሳትኩምውን ፀልዩ። ፀሎት ፃድቕ ሓይሊ ኣለዋ፤ ብዙሕውን ተስልጥ እያ።
ያእቆብ 5:16
ጐይታ ኢየሱስ ነዓ።
ራእይ 22:20
ኦ ኣምላኸይ፥ ኣይትደንጒ።
ዳዊት 40:17
እዝ ዅሉ ኸምዙይ ኢሉ ዝጠፍእ ካብ ኮነ፥ እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ኢኹም ክትኮኑ ዝግብአኩም? ነታ እግዚኣብሄር ዝመፀላ መዓልቲ።
2ይ ጴጥሮስ 3:12
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ6 ግን 2026
ዳዊት 85:10 · ኢሳይያስ 45:21
5 ግን 2026
ማቴዎስ 6:31–32 · ዳዊት 34:9–10
4 ግን 2026
ኢሳይያስ 59:1 · ዳዊት 138:3
3 ግን 2026
ማቴዎስ 5:48 · ዘፍጥረት 17:1
2 ግን 2026
ዘፍጥረት 28:16 · ማቴዎስ 18:20
1 ግን 2026
ገላትያ 5:22 · ሮሜ 8:6






