ዕለታዊ ብርሃን, 5 ጉንበት: እምበኣር እንታይ ክንበልዕ ኢና? እንታይ ክንሰቲ ኢና?

ዕለታዊ ብርሃን

መዓልታዊ ብርሃን
ኩሉ ጽሑፋት

እምበኣር ‘እንታይ ክንበልዕ ኢና? እንታይ ክንሰቲ ኢና? እንታይከ ኽንክደን ኢና?’ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ... ንኣኻትኩም ግና እዝ ዅሉ ኸም ዘድልየኩም፥ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ይፈልጥ እዩ።

እቶም ዝፈርሕዎ ዝኾነ ኣይስእኑን እዮም እሞ፥ ኵልኻትኩም ቅዱሳኑ፥ ንእግዚኣብሄር ፍርሕዎ። ሃብታማት ደኸዩ፤ ጠመዩውን፤ ንእግዚኣብሄር ዝደልይዎ ግና ኻብ ኵሉ ሰናይ ኣይጐድሎምን።

ነቶም ብቕንዕና ዝኸዱ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ሰናይ ዝኾነ ኣይኸልኦምን። ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ብኣኻ ዝተኣመነ ብፁእ እዩ።

ኣነ ግና ብዘይ ሓሳብ ክትነብሩ ድልየተይ እዩ።

ንዅሉ ነገር፥ ብፀሎትን ልመናን ምስ ምስጋና ድልየትኩም ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ እምበር፥ ብሓደኳ ኣይትጨነቑ።

ክልተ ኣዕዋፍዶ ብሳንቲም ይሽየጣ ኣይኮናን? ሓንቲ እኳ ኻብኣተን፥ ብዘይ ፍቓድ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም፥ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ። ንስኻትኩም ግና፥ ኵለን ፀጕሪ ርእስኹም እኳ ቝፁራት እየን። እምበኣርከስ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ፥ እምብዛ ትበልፁ ኢኹም እሞ ኣይትፍርሑ።

ንሱ ኸዓ ንደቀ መዛሙርቱ “ስለ ምንታይ ትፈርሑ? ክሳዕ ክንድዙይዶ እምነት የብልኩምን?” በሎም።

ብእግዚኣብሄር እመኑ።

ደመና ንመጋረዲ ዘርግሐሎም፤ ሓዊ ድማ ብለይቲ ኸብርሀሎም ዘርግሐ።

ከምቲ ኣቦ ንውሉዱ ዝርህርሀሎም፥ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዝፈርሕዎ ይርህርሀሎም እዩ። ንሱ ኣፈጣጥራና ይፈልጥ እዩሞ፤ ኦ ጐይታ፥ ንሕና መሬት ምዃንና ዘክር።

ፀሓይ ብመዓልቲ ኣየቃፅለካን፤ ብለይቲ እውን ወርሒ።

እዙይ ከዓ ብመዓልቲ ኻብ ሃሩር መፅለሊ፥ ካብ ዝናምን ካብ ኣውሎ ንፋስን ንመፀግዕን መሕብኢን ስፍራ ክኸውን እዩ።

እግዚኣብሄር ይሕልወካ እዩ፤ እግዚኣብሄር ብየማናይ ኢድካ ኽጋርደካ እዩ። እግዚኣብሄር ካብ ሕዚ ጀሚሩ ንዘለኣለም፥ ምውፃእኻን ምእታውካን ክሕሉ እዩ።

ለይትን መዓልትን ምእንቲ ኽጐዓዙ፥ እግዚኣብሄር መንገዲ ንኽመርሖም ብመዓልቲ ብዓምዲ ደመና፥ ብለይቲ ድማ ኽበርሀሎም ብዓምዲ ሓዊ ቐቅድሚኣቶም ይኸይድ ነበረ። ብመዓልቲ ዓምዲ ደመና፥ ብለይቲ ኸዓ ዓምዲ ሓዊ ኻብ ቅድሚ እቶም ህዝቢ ኸቶ ኣይተፈለየን።

ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ንሱ እዩ፤ ኣይልወጥን።

ብሰውራዊ ኣእምሮ ተተርጒሙ፣ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተኣቲቶም — ዝኾነ ኣገናዕቲ ክፈቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ንኽትንብቡ።

© Bible Society of Ethiopia

ፎቶ ብኣህመት ዩክሰክ ✪ ኣብ Unsplash (https://unsplash.com/photos/hazy-mountain-peaks-at-sunrise-or-sunset-jUZUTcnJoQw)

ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።