3 ግን 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 4 ጉንበት: እንሆ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ንምድሓን ሓፃር ኣይኮነትን
ዕለታዊ ብርሃን
እንሆ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ንምድሓን ሓፃር ኣይኮነትን፤ ከይሰምዕ ኸዓ እዝኑ ኣይፀመመትን እያ።
ኢሳይያስ 59:1
በታ ዝፀዋዕኩኻ መዓልቲ ቐልጢፍካ ስምዐኒ፤ ንነፍሰይውን ብሓይልኻ ብብዙሕ ኣፅናዕኻያ።
ዳዊት 138:3
እናፀለኹ እንተለኹ፥ እቲ ቕድም ብራእይ ሪአዮ ዝነበርኩ ሰብ፥ ገብርኤል ቀልጢፉ እናበረረ ናባይ መፂኡ ዳህሰሰኒ። ሽዑ ጊዜ መስዋእቲ ምሸት ነበረ።
ዳንኤል 9:21
ገፅካ ካባይ ኣይትሰውር፤ ተቘጢዕኻ ኻብ ባርያኻ ድሕር ኣይትበል፤ ረዳኢ ኹነኒ፤ ኣይትደርብየኒ፤ ኦ ኣምላኽ መድሓኒተይ ኣይትሕደገኒ።
ዳዊት 27:9
ኦ ጐይታይ! ንስኻ ግና ኻባይ ኣይትርሓቕ፤ ኣታ ሓይለይ፥ ንኣይ ንምርዳእ ፍጠን።
ዳዊት 22:19
“ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ እንሆ፥ በቲ ዓብዪ ሓይልኻን በታ እተዘርግሐት ቅልፅምካን፥ ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ ንስኻ ኢኻ። ንኣኻ ዘይከኣለካ ነገር የለን።
ኤርሚያስ 32:17
ንሱ ንሞት ካብ ዘብፅሕ ሓደጋ ኣድሒኑና እዩ፤ ከድሕነና ድማ እዩ፤ ንዳሕራይውን ከም ዘድሕነና፥ ብእኡ ተስፋ ንገብር ኣለና።
2ይ ቆሮንቶስ 1:10
እግዚኣብሄር ግዳ፥ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዝምህለሉ ሕሩያቱ፥ ኣይፈርደሎምንዶ? ወይ ዝድንጕዮምዶ ይመስለኩም? ቀልጢፉ ኽፈርደሎም እዩ እብለኩም ኣለኹ።
ሉቃስ 18:7–8
ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈፂመ።
ዮሃንስ 17:4
ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ምግባርን፥ ስራሑ ምፍፃምን እዩ።
ዮሃንስ 4:34
ሓደኳ ኽሰርሐላ ዘይከኣሎ ለይቲ ትመፅእ ኣላ እሞ፥ መዓልቲ እንተላ፥ ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽሰርሕ ይግብአኒ እዩ።
ዮሃንስ 9:4
ከም ዝግብአኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? በሎም። ንሳቶም ግና፥ ነቲ ዝበሎም ዘረባ ኣየስተውዓልዎን።
ሉቃስ 2:49–50
ኢየሱስ እዙይ ሰሚዑ “እዝ ሕማም እዙይ ንኽብሪ እግዚኣብሄር፥ ብእኡ ድማ ወዲ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ክኸብር እዩ እምበር፥ ንሞት ኣይኮነን” በለ። ኢየሱስ ድማ “እንተ ኣሚንክስ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ክትርኢ ኢኺዶ ኣይበልኩኽን?” በላ።
ዮሃንስ 11:4, 40
ኢየሱስ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ሰብን፥ ብጥበብን ብቑመትን ብፀጋን ዓበየ።
ሉቃስ 2:52
እቶም ዝሰምዕዎ ዅላቶም፥ በቲ ኻብ ኣፉ ዝወፅእ ዝነበረ ፀጋ ዝመልኦ ቓል ተደኒቖም “እዙይ እቲ ወዲ ዮሴፍዶ ኣይኮነን?” በሉ።
ሉቃስ 4:22
ንስኻ ... ተሓሪድካ ሞይትካ፥ ብደምካ ድማ፥ ካብ ኵሉ ዓሌታትን፥ ቋንቋታትን፥ ህዝብን፥ ኣህዛብን፥ ንእግዚኣብሄር ዝኾኑ ሰባት፥ ዓዲግካ ኢኻሞ፤ ንኣምላኽና፥ መንግስትን ካህናትን ገበርካዮም፤ ንሳቶም ድማ፥ ኣብ ምድሪ ኽነግሱ እዮም።
ራእይ 5:9–10
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ2 ግን 2026
ዘፍጥረት 28:16 · ማቴዎስ 18:20
1 ግን 2026
ገላትያ 5:22 · ሮሜ 8:6
30 ሚያ 2026
1ይ ዮሃንስ 2:5 · ዕብራውያን 13:20–21
29 ሚያ 2026
1ይ ሳሙኤል 12:24 · ዘዳግም 8:2
28 ሚያ 2026
ዮሃንስ 1:29 · ዕብራውያን 10:4–7
27 ሚያ 2026
1ይ ቆሮንቶስ 7:29 · ኢዮብ 14:1–2






