29 ሚያ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 30 ሚያዝያ: እቲ ንቓሉ ዝሕሉ ግና፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብኡ ፍፁም ይኸውን
ዕለታዊ ብርሃን
እቲ ንቓሉ ዝሕሉ ግና፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብኡ ፍፁም ይኸውን። ኣብ እግዚኣብሄር ከም ዘለና።
1ይ ዮሃንስ 2:5
እቲ ኣምላኽ ሰላም፥ ብደም እቲ ናይ ዘለኣለም ኪዳን፥ ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ ንዝኾነ፥ ንጐይታና ኢየሱስ ካብ ሞት ዘተስኦ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ ቅድሚኡ ደስ ዘብሎ ኣባኻትኩም እናገበረ፥ ፍቓዱ ምእንቲ ኽትፍፅሙ፥ ብዅሉ ሰናይ ግብሪ ፍፁማን ይግበርኩም። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
ዕብራውያን 13:20–21
ትእዛዛት እግዚኣብሄር እንተ ሓሊና፥ ንእኡ ኸም እንፈልጦ በዙይ ኢና እነረጋግፅ።
1ይ ዮሃንስ 2:3
እቲ ዘፍቅረኒ፥ ቃለይ ክሕሉ እዩ፤ ኣቦይ ከዓ ኸፍቅሮ እዩ፤ መፂእና ድማ ኣብኡ ኽንሓድር ኢና።
ዮሃንስ 14:23
እቲ ዅሉ ኣብ ክርስቶስ ዝነብር፥ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ሓጢኣት ዝገብር ግና፥ ንክርስቶስ ኣይረኣዮን፤ ኣይፈለጦንውን። ደቀይ፥ ሓደኳ ኣየስሕትኩም፤ ከምቲ ክርስቶስ ፃድቕ ዝኾነ፥ እቲ ፅድቂ ዝገብር ከዓ፥ ፃድቕ እዩ።
1ይ ዮሃንስ 3:6–7
ብመዓልቲ ፍርዲ ምእንቲ ትብዓት ክህልወና፥ በዙይ እታ ፍቅሪ ኣባና ተፈፀመት፥ ከምቲ ንሱ ዘለዎ፥ ከምኡውን ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኢና ዘለና እሞ።
1ይ ዮሃንስ 4:17
ንዕጉስ ሰብ ብዙሕ ምስትውዓል ኣለዎ።
ምሳሌ 14:29
እግዚኣብሄርውን ብቕድሚኡ ሓሊፉ “እግዚኣብሄር፥ እግዚኣብሄር፥ መሓሪ፥ ለጋስ፥ ዓቃል።
ዘፀኣት 34:6
ጐይታስ፥ ኵላቶም ናብ ንስሃ ኽበፅሑ እምበር፥ ሓደኳ ኽጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝኾነ፥ ምእንታኻትኩም ይዕገስ ኣሎ እምበር፥ ከምቲ ንገሊኣቶም ዝድንጕ ዝመስሎም፥ ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ።
2ይ ጴጥሮስ 3:9
እምበኣር ከም ፍቑራት ውሉድ፥ ተኸተልቲ እግዚኣብሄር ኩኑ። ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረና።
ኤፌሶን 5:1–2
ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ፍቕሪ፥ ሓጐስ፥ ሰላም፥ ትዕግስቲ፥ ልግሲ፥ ሕያዋይነት፥ እምነት፥ ለውሃት፥ ንባዕልኻ ምግዛእ እዩ። ነዝ ኸምዙይ ዝመሰለ፥ ዝኽልክል ሕጊ የለን።
ገላትያ 5:22–23
ሓደኳ ተዓሚፁ እንተሎ፥ ምእንቲ እግዚኣብሄር ኢሉ እንተ ተዓገሰ፥ ዝነኣድ ንሱ እዩሞ። ... መከራ እንተ ተዓገስኩም ግና፥ ኣብ እግዚኣብሄር ዘንእደኩም እዙይ እዩ። ... ክርስቶስ ድማ፥ ኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ፥ ምእንታኻትኩም መከራ ተቐበለ፤ ኣርኣያውን ሓደገልኩም። ምስ ፀረፍዎ መሊሱ ኣይፀረፈን፤ መከራ እንተፅንዑሉውን፥ ነቲ ብቕንዕና ዝፈርድ እግዚኣብሄር ደኣ፥ ነገሩ ኣሐሊፉ ሃበ እምበር፥ ኣየፈራርሐን።
1ይ ጴጥሮስ 2:19–21, 23
ተቘጥዑ፤ ግና ሓጢኣት ኣይትግበሩ።
ኤፌሶን 4:26
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ28 ሚያ 2026
ዮሃንስ 1:29 · ዕብራውያን 10:4–7
27 ሚያ 2026
1ይ ቆሮንቶስ 7:29 · ኢዮብ 14:1–2
26 ሚያ 2026
መሃልየ 2:6 · ዘዳግም 33:27
25 ሚያ 2026
ማቴዎስ 1:21 · 1ይ ዮሃንስ 3:5
24 ሚያ 2026
ዘፍጥረት 21:1 · ዳዊት 62:8
23 ሚያ 2026
ዳዊት 18:18 · ኤርሚያስ 3:23






