22 ሚያ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 23 ሚያዝያ: ግና እግዚኣብሄር ደገፈይ ኮነኒ (ዳዊት 18:18)
ዕለታዊ ብርሃን
ግና እግዚኣብሄር ደገፈይ ኮነኒ።
ዳዊት 18:18
ካብቶም ኰረብታታት ረድኤት ምፅባይ፥ ብሓቂ ኸንቱ እዩ፤ እምባታት፥ ጥቕሚ ዘይብሉ ድምፂ ደኣ ሃቡና፤ ብሓቂ ምድሓን እስራኤል፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ዝርከብ።
ኤርሚያስ 3:23
እግዚኣብሄር ከውሐይ፥ ዕርደይን መድሓኒየይን እዩ፤ ኣምላኸይ፥ ብእኡውን ዝእመነሉ ረዳእየይ፥ መተኣማመኒየይን ቀርኒ ምድሓነይን መፀግዕየይን እዩ።
ዳዊት 18:2
ኣቲ ኣብ ፅዮን እትነብሪ፥ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ ኣብ ማእኸልኪ ልዕል ልዕል ኢሉ እዩ እሞ፥ ተሓጐሲ፤ ዕልልውን በሊ።”
ኢሳይያስ 12:6
መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ዙርያ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕዎ ይሰፍር፤ ንሱውን የናግፎም። ፃድቃን ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ ንሱ ድማ ሰምዖም፤ ካብ ኵሉ መከራኦምውን ኣናገፎም።
ዳዊት 34:7, 17
ዘለኣለማዊ ኣምላኽ መንበሪኻ እዩ፤ ዘለኣለማዊ ቐላፅሙ ድማ ኣብ ትሕቴኻ እየን።
ዘዳግም 33:27
ስለዙይ ብትብዓት “እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፥ ኣይፈርሕን፤ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ?” ንብል።
ዕብራውያን 13:6
ብዘይ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ መን እዩ? እንትርፊ ኣምላኽናኸ እግዚኣብሄር መን እዩ? ሓይሊ የዕጥቐኒ፥ ንመንገደይውን የቕንዐለይ።
ዳዊት 18:31–32
እቲ ኾይነዮ ዘለኹ ግና፥ ብፀጋ እግዚኣብሄር እየ ኾይነዮ ዘለኹ።
1ይ ቆሮንቶስ 15:10
ኵላትና ኸም ዝተበታተና ኣባጊዕ ጠፋእና።
ኢሳይያስ 53:6
ሓጢኣት የብልናን እንተ በልና፥ ንባዕልትና ነታልል፤ እቲ ሓቂውን ኣባና የለን።
1ይ ዮሃንስ 1:8
ሓደኳ ፃድቕ የለን፤ ሓደኳ የለን፤ ዘስተውዕልውን ሓደኳ የለን፤ ... ኵላቶም ዓመፁ፤ ኵላቶምውን ሓቢሮም ሰሓቱ።
ሮሜ 3:10–12
ከም ዝጠፍኡ ኣባጊዕ፥ ከርተት ትብሉ ኔርኩም፤ ሕዚ ግና ናብቲ ጓሳኹምን፥ ሓላዊ ነፍስኹምን፥ ተመሊስኩም ኣለኹም።
1ይ ጴጥሮስ 2:25
ከም ዘጠፍአ በጊዕ ኰለል እብል ኣለኹ፤ ትእዛዛትካ ኣይረሳዕኹንሞ፥ ንባርያኻ ድለዮ።
ዳዊት 119:176
ንነፍሰይ መለሳ፤ ስለ ስሙውን ብመንገዲ ፅድቂ መርሐኒ።
ዳዊት 23:3
እተን ኣባጊዐይ ግና፥ ድምፀይ ይሰምዓ እየን፤ ኣነ ኸዓ እፈልጠን እየ፤ ንሳተንውን ይስዕባኒ። ኣነ ኸዓ ናይ ዘለኣለም ህይወት እህበን፤ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፤ ካብ ኢደይውን ዘሕድገን ሓደኳ የለን።
ዮሃንስ 10:27–28
“ካባኻትኩም ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ፥ ካብኣተን ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ፥ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ሓዲጉ፥ ነታ ዝጠፍአት ክሳዕ ዝረኽባ፥ ክደሊ ዘይኸይድ ኣየናይ ሰብ እዩ?
ሉቃስ 15:4
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ21 ሚያ 2026
ፊልጵስዩስ 4:1 · ኢዮብ 23:11
20 ሚያ 2026
ዘዳግም 13:17 · 2ይ ቆሮንቶስ 6:17
19 ሚያ 2026
ዮሃንስ 10:7 · ማቴዎስ 27:51
18 ሚያ 2026
ዘዳግም 18:18 · ዘዳግም 5:5
17 ሚያ 2026
ዳዊት 50:23 · ቈላስይስ 3:16–17
16 ሚያ 2026
ዳዊት 31:22 · ዳዊት 69:2






