15 ሚያ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 16 ሚያዝያ: ኣነስ ብድንጋፀ “ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ተደርበኹ” በልኩ
ዕለታዊ ብርሃን
ኣነስ ብድንጋፀ “ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ተደርበኹ” በልኩ፤ ናባኻ ምስ ኣእዌኹ ግና ንቓል ልመናይ ሰማዕኻኒ።
ዳዊት 31:22
ናብ ዓሚቝ ረግረግ ጠለቕኩ፤ መቖሚውን የብለይን፤ ኣብ መዓሙቕ ባሕሪ በፃሕኹ፤ ማዕበልውን ኣስጠመኒ።
ዳዊት 69:2
ቆፍ። ማይ ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ወሓዘ፤ ኣነውን ጠፋእኹ ኢለ ነይረ።” “ኣብ መዓሙቝ ጕድጓድ ኮይነ፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ ስምካ ፀዋዕኹ። ልመናይ ሰሚዕኻ ኢኻ፤ ረዳኢ ደልየ እንተእዊ፥ ካብ ምስማዕ እዝንኻ ኣይትከልከል። ምስ ፀዋዕኩኻ ቐረብካኒ፤ ‘ኣይትፍራሕ’ ድማ በልካኒ።”
ሰቆቃወ 3:54–57
እግዚኣብሄርዶ ንዘለኣለም ይድርቢ እዩ? ድሕሪ ደጊምከ ፀጋኡዶ ኣይውስኽን እዩ? ምሕረቱኸ ንዘለኣለም ንውሉድ ወለዶዶ ተቛሪፁ እዩ? እቲ ዝተናገሮ ቓልከ ተወዲኡ ድዩ? እግዚኣብሄር ንይቕረታኡዶ ረሲዕዎ እዩ? ንምሕረቱኸ ብቝጥዓኡዶ ዓፅይዎ እዩ? እዙይ ድኻመይ እዩ በልኩ፤ ዓመታት የማናይ እቲ ልዑል እዝክር ኣለኹ። ግብሪ እግዚኣብሄር ዘከርኩ፤ ነቲ ጥንቲ ዝገበርካዮ ተኣምራትካውን እዝክር እየሞ።
ዳዊት 77:7–11
ናይ እግዚኣብሄር ሕያዋይነት ኣብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝርኢ፥ እኣምን ኣለኹ።
ዳዊት 27:13
ክፅውዐኒ እዩ፤ ኣነውን ክምልሰሉ እየ፤ ብጊዜ መከራኡ ምስኡ ክኸውን እየ፤ ከናግፎ እየ።
ዳዊት 91:15
ያቤፅ ድማ፦ “ኦ ኣምላኽ! በይዛኻ ባርኸኒ፤ ወሰናተይ ከዓ ኣግፍሐለይ፤ ኢድካውን ምሳይ ትኹን፤ ሓዘን ካብ ዘምፅአለይ ክፉእ ነገር ሓልወኒ” ኢሉ ንኣምላኽ እስራኤል ፀውዐ። ኣምላኽ ከዓ ኸምቲ ዝለመኖ ገበረሉ።
1ይ ዜና 4:10
ክህበካ እትደልዮ ጠይቐኒ” ድማ በሎ። ሰሎሞን ከዓ ንእግዚኣብሄር “ነቦይ ዳዊት ዓብዪ ምሕረት ገበርካሉ፤ ... ነዝ ዓብዪ ህዝቢ እዙይ መን ከመሓድሮ ይኽእል? እምበኣርከስ ነዝ ህዝቢ እዙይ ከመሓድሮ ምእንቲ ክኽእል ጥበብን ፍልጠትን ሃበኒ በሎ።
2ይ ዜና 1:7–8, 10
ኣምላኽ ድማ ንሰሎሞን የመና ብዙሕ ጥበብን ምስትውዓልን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ኽስፈር ዘይከኣል ስፍሓት ልብን ሃቦ።
1ይ ነገስት 4:29
ኣሳ ድማ፦ “ኦ ጐይታ! ብብዝሒ ኾነ ብውሑድ ምድሓን ይከኣለካ እዩሞ፥ ኦ ኣምላኽና ብኣኻ ኢና ተኣሚንና ዘለናሞ ... ሰብውን ኣይስዓርካ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣእወየ። እግዚኣብሄር ከዓ ነቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ቅድሚ ይሁዳ ወቕዖም።
2ይ ዜና 14:11–12
ኵሉ ሰብ፥ ፀሎት ናብ እትሰምዕ ናባኻ ይመፅእ።
ዳዊት 65:2
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ14 ሚያ 2026
ዳዊት 63:5–6 · ዳዊት 139:17–18
13 ሚያ 2026
ምሳሌ 3:9 · 2ይ ቆሮንቶስ 9:6
12 ሚያ 2026
ሮሜ 8:3 · ዕብራውያን 10:1–2
11 ሚያ 2026
ምሳሌ 10:19 · ያእቆብ 1:19
10 ሚያ 2026
መሃልየ 1:5 · ዳዊት 51:5
9 ሚያ 2026
ኢሳይያስ 43:1 · ኢሳይያስ 54:4–5



