8 ሚያ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 9 ሚያዝያ: ኣይትሓፍሪን ኢኺ እሞ ኣይትፍርሒ (ኢሳይያስ 54:4)
ዕለታዊ ብርሃን
ሕዚ ግና ኦ ያእቆብ፥ እቲ ዝፈጠረካ፥ ኦ እስራኤል፥ እቲ ዝሰርሐካ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ተቤዚወካ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ።
ኢሳይያስ 43:1
“ኣይትሓፍሪን ኢኺ እሞ ኣይትፍርሒ፤ ኣይትዋረዲን ኢኺሞ፥ ኣይትሳቐቒ፤ ንሕፍረት ንእስነትኪ ኽትርስዒዮ ኢኺ፤ ፀርፊ ምብልትናኺ ድማ፥ ድሕሪዙይ ኣይትዝክሪን ኢኺ። ፈጣሪኺ ሰብኣይኪ እዩሞ፤ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ፤ እቲ ተቤዛዊኺ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።
ኢሳይያስ 54:4–5
ንገበንካ ኸም ደመና፥ ንሓጢኣትካውን ከም ግመ ኣወጊደዮ እየ። ተቤዚወካ እየሞ፥ ናባይ ተመለስ።”
ኢሳይያስ 44:22
ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም ዝወረስኩምዎ፥ ከንቱ ዝኾነ ህይወት ዝደሓንኩም፥ ብዝጠፍእ ነገር፥ ብብሩር ወይ ብወርቂ ዘይኮነስ፥ በቲ ነቐፋን ርኽሰትን ከም ዘይብሉ በጊዕ ዝኾነ፥ ብኽቡር ደም ክርስቶስ፥ ከም ዝተቤዘወኩም ትፈልጡ ኢኹም።
1ይ ጴጥሮስ 1:19
ተቤዛዊኦም ግና ብርቱዕ እዩ፤ ስሙ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ። ንምድሮም ዕረፍቲ ንምሃብ ተጊሁ ኽማጐተሎም።
ኤርሚያስ 50:34
እቲ ንኣኣተን ዝሃበኒ ኣቦይ፥ ካብ ኵሉ ይዓቢ እዩ እሞ፥ ካብ ኢድ ኣቦይ ከሕድገን ዝኽእል ሓደኳ የለን።
ዮሃንስ 10:29
ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ጐይታና፥ ከም ፍቓድ ኣምላኽናን ኣቦናን፥ ካብዛ ሕዚ ዘላ ኽፍእቲ ዓለም ምእንቲ ኸድሕነና፥ ብምኽንያት ሓጢኣትና፥ ንንባዕሉ ኣሕሊፉ ሃበ። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
ገላትያ 1:3–5
ኣነ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝገበረልና ዅሉ ሰናይ ግብርን፥ ከምቲ ንቤት እስራኤል ዝገበረላ ዓብዪ ግብርን ከም መጠን ምሕረቱን ዕቤት ለውሃቱን እናዘከርኩ።
ኢሳይያስ 63:7
ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት፥ ካብቲ ረግረግ ፀብሪ ድማ ኣውፅአኒ፤ ነእጋረይ ኣብ ኰዅሒ ኣቝሙ ንስጕምተይ ኣፅንዖ።
ዳዊት 40:2
ምእንታይ ከዓ ንባዕሉ ቤዛ ዝሃበ ወዲ እግዚኣብሄር ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ።
ገላትያ 2:20
ንወዱ እኳ፥ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ሃቦ እምበር ዘየናሕሰየሉስ፥ ከመይ ደኣ ምስኡ፥ ኵሉ ብልግሲ ዘይህበና?
ሮሜ 8:32
ግና ንሕና፥ ገና ሓጥኣን እንተለና፥ ክርስቶስ ምእንታና ሞይቱ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር፥ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ፥ በዙይ የርኢ ኣሎ።
ሮሜ 5:8
ናቱ ኸም ዝኾንና ዝሓተመናን፥ መፈለጥታ ዝገበረልናን፥ ኣብ ልብናውን መተኣማመኒ መንፈስ ቅዱስ ዝሃበናን፥ እግዚኣብሄር እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 1:22
ንኽብሩ ምስጋና ክኸውን፥ እግዚኣብሄር ነቶም ናይ ባዕሉ ዝኾኑ ዅሎም ክሳዕ ዘድሕኖም፥ መንፈስ ቅዱስ፥ ነቲ ኽንረኽቦ ዘለና ርስቲ፥ ዕርቡን እዩ።
ኤፌሶን 1:14
ግና እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ እታ ብኣኣ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፥ ብበደልና ምዉታን እኳ እንተ ነበርና፥ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፤ ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩምሞ። እግዚኣብሄር ምስ ክርስቶስ ኣተስአና፤ ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ኸዓ፥ ኣብ ሰማያት ምስኡ ኣቐመጠና።
ኤፌሶን 2:4–6
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ7 ሚያ 2026
2ይ ቆሮንቶስ 6:10 · ሮሜ 5:2–3
6 ሚያ 2026
ዕብራውያን 7:25 · ሮሜ 8:34
5 ሚያ 2026
ዘፍጥረት 32:26 · ኢሳይያስ 27:5
4 ሚያ 2026
ራእይ 1:17 · ዕብራውያን 12:18
3 ሚያ 2026
2ይ ጴጥሮስ 3:8–9 · ኢሳይያስ 55:8–11
2 ሚያ 2026
1ይ ዮሃንስ 5:21 · 2ይ ቆሮንቶስ 6:17–18






