3 ሚያ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 4 ሚያዝያ: ኣይትፍራሕ፤ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን (ራእይ 1:17)
ዕለታዊ ብርሃን
ኣይትፍራሕ፤ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን።
ራእይ 1:17
ንስኻትኩም ኣብቲ ሃልሃል ብዝብል ሓዊ፥ ጣቓ፥ ፀልማት፥ ንፋስ ኣውሎ፥ ድምፂ መለኸትን፥ ቃል ዝስምዐሉ ድምፅን፥ ብኢድ ክድህሰስ ናብ ዝኽእል እምባ ሲና ኣይኮንኩምን በፂሕኩም ዘለኹም። እቶም ዝሰምዕዎውን፥ ወሲኹ ኸይዛረቦም ለመኑ። ንስኻትኩም ግና ናብ እምባ ፅዮንን ... ናብቲ ንዅሉ ዝፈርድ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ነፍሳት እቶም ፍፁማን ዝኾኑ ፃድቃንን፥ በፂሕኹም ኢኹም። ናብቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ማእኸላይ መተዓረቒ ዝኾነ ኢየሱስን።
ዕብራውያን 12:18, 22–24
ንዅሉ ውርደት ንዒቑ፥ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ።
ዕብራውያን 12:2
ከምዝ ኸማና ብዅሉ ዝተፈተነ እዩ፤ ግና ሓጢኣት ኣይገበረን፤ ስለዙይ ብድኻምና ኽርህርሀልና ዘይኽእል ሊቀ ካህናት ኣይኮነን። እምበኣር ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፥ ረድኤት ብዘድልየና ጊዜውን፥ ፀጋ ምእንቲ ኽንረክብ፥ ናብቲ ፀጋ እንረኽበሉ ዙፋን እግዚኣብሄር፥ ብምትእምማን ንቕረብ።
ዕብራውያን 4:15–16
ንጉስ እስራኤልን፥ ቤዛኡ ዝኾነ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትን፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ቀዳማይን ዳሕረዋይን ኣነ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን።
ኢሳይያስ 44:6
ኣቦ ዘለኣለም” “ሓለቓ ሰላም ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ።
ኢሳይያስ 9:6
ኦ ቅዱስ ኣምላኸይ፥ ንስኻ ኻብ ዘለኣለም ጀሚሩ ዘለኻዶ ኣይኮንካን?
እንባቆም 1:12
ብዘይ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ መን እዩ? ብዘይ ኣምላኽናኸ፥ ኰዅሒ መን እዩ?
2ይ ሳሙኤል 22:32
ኣብ ልዕሊ እምኒ ልዕል ልዕል ኣበልካኒ።
ዳዊት 61:2
ንዅሉ ነገር፥ ብፀሎትን ልመናን ምስ ምስጋና ድልየትኩም ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ እምበር፥ ብሓደኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ምስትውዓል ንላዕሊ ዝኾነ፥ ሰላም እግዚኣብሄር ድማ፥ ንልብኹምን ሓሳብኩምን፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ክሕልዎ እዩ።
ፊልጵስዩስ 4:6–7
ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ መንመነት፥ ንስኻ መንገደይ ትፈልጥ።
ዳዊት 142:3
ንሱ ግና ኣነ በየነይቲ መንገዲ ኸም ዝኸይድ ይፈልጥ እዩ፤ ምስ ፈተነኒውን ከም ወርቂ ፅሩይ ኮይነ ኽወፅእ እየ።
ኢዮብ 23:10
ኦ ጐይታ፥ ንዅሉ ውሉድ ወለዶ መፀግዒ ኾንካና።
ዳዊት 90:1
ንስኻ ንድኻ ዕርዲ፥ ንፅጉም ኣብ መከራኡ መፀግዒ፥ ካብ ፀፍዒ መዕቐሊ፥ ካብ ሃሩር መፅለሊ ኾንካ፤ እስትንፋስ ቍጥዓ ጨካናት።
ኢሳይያስ 25:4
እንትርፊ ኣምላኽናኸ እግዚኣብሄር መን እዩ?
ዳዊት 18:31
ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፤ ካብ ኢደይውን ዘሕድገን ሓደኳ የለን።
ዮሃንስ 10:28
ብህይወት ክነብርስ፥ ከም ቃልካ ደግፈኒ፤ ብተስፋይ ድማ ኣይተሕፍረኒ።
ዳዊት 119:116
እዛ ተስፋ እዚኣ፥ ድልድልትን ፅንዕትን ዝኾነት፥ ናይ ህይወትና መልህቅ እያ። ብመጋረጃ ሓሊፋ፥ ናብታ ውሽጣዊት መቕደስ እትበፅሕውን እያ።
ዕብራውያን 6:19
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ2 ሚያ 2026
1ይ ዮሃንስ 5:21 · 2ይ ቆሮንቶስ 6:17–18
1 ሚያ 2026
ገላትያ 5:22 · ሮሜ 14:17
31 መጋ 2026
ፊልጵስዩስ 4:19 · ማቴዎስ 6:33
30 መጋ 2026
ዘፍጥረት 24:63 · ዳዊት 19:14
29 መጋ 2026
ማቴዎስ 25:34 · ሉቃስ 12:32
28 መጋ 2026
ኢያሱ 1:18 · ዳዊት 27:1






