29 መጋ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 30 መጋቢት: ክትምልከቶኸ፥ ወዲ ሰብ እንታይ እዩ? (ዳዊት 8:3–4)
ዕለታዊ ብርሃን
ኣጋ ምሸት ምስ ኮነ ድማ ይስሓቅ ብልቡ እናስተንተነ ናብ ሜዳ ወፂኡ ነበረ።
ዘፍጥረት 24:63
ኦ ጐይታ፥ ረዳእየይን መድሓኒየይን፥ ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ቕቡል ይኹን።
ዳዊት 19:14
ስራሕ ኣፃብዕትኻ ንዝኾኑ ሰማያትን፥ ነቶም ዝፈጠርካዮም ወርሕን ከዋኽብትን ምስ ረአኹ፥ ንስኻ ኽትሓስቦስ፥ ሰብ እንታይ እዩ? ክትምልከቶኸ፥ ወዲ ሰብ እንታይ እዩ?
ዳዊት 8:3–4
ግብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፤ ብዅሎም እቶም ዝሕጐሱላ ተደላዪት እያ።
ዳዊት 111:2
ብምኽሪ ኽፉኣት ዘይኸደ፥ ኣብ መንገዲ ሓጥኣን ከዓ ዘይቆመ፥ ኣብ መንበር መላገፅቲ ድማ ዘይተቐመጠ ብፁእ እዩ። እኳ ደኣ ብሕጊ እግዚኣብሄር ይሕጐስ፤ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን የስተንትኖ።
ዳዊት 1:1–2
ነቲ ኣብኡ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮ፥ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር።
ኢያሱ 1:8
ነፍሰይ ብጠስምን ብስብሕን ከም ዝፀግቡ ኽትፀግብ እያ፤ ከናፍረይ ብደስታ ንስምካ የመስግና። ኣብ ምድቃሰይ እዝክረካ ኣለኹ፤ ኣንጊሀውን እናገረልካ ኣለኹ።
ዳዊት 63:5–6
ኦ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ፈፂምካ እትርስዐኒ? ክሳዕ መኣዝከ ኢኻ ኻባይ ገፅካ እትኽውል?
ዳዊት 13:1
ኵሉ ፅቡቕ ውህብቶን፥ ፍፁም በረኸትን፥ ካብ ላዕሊ እዩ፤ ካብቲ ዘይለዋወጥ ወይ ብምዝውዋር ዝኸውን ፅላሎት ዘይብሉ፥ ካብ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዝወርድ።
ያእቆብ 1:17
ፅዮን ግና፥ “እግዚኣብሄር ሓዲጉኒ፤ ጐይታ ኸዓ ረሲዑኒ እዩ” በለት። “ብሓቂ እኖ ንተጥብዎ ውሉዳ ትርስዖዶ? ነቲ ኻብ ማህፀና ዝተወለደኸ ኣይትርህርሀሉንዶ? እወ፥ ንሳ ትርስዕ ትኸውን፤ ኣነ ግና ኣይርስዐክን እየ።
ኢሳይያስ 49:14–15
ኦ እስራኤል ከቶ ኣይርስዐካን እየ። ንገበንካ ኸም ደመና፥ ንሓጢኣትካውን ከም ግመ ኣወጊደዮ እየ።
ኢሳይያስ 44:21–22
ኢየሱስ ንማርታን ንሓፍታ ማርያምን፥ ንኣልኣዛርን ይፈትዎም ነበረ። ምሕማሙ ምስ ሰምዐ፥ ኣብታ ዝነበራ ስፍራ ኽልተ መዓልቲ ፀንሐ።
ዮሃንስ 11:5–6
ካብ ከባቢ እቲ ዓዲ መፂኣ “ኦ ጐይታ ወዲ ዳዊት! ንጓለይ ክፉእ ጋኔን ሒዙዋ የሳቕያ ኣሎ እሞ ራህርሀለይ!” እናበለት ዓው ኢላ ድምፂ ኣስምዐት። ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን።
ማቴዎስ 15:22–23
እዝ ፈተና እዙይ ዝበፅሐኩም ከዓ፥ እቲ እምነትኩም ብሓዊ ኻብ ዝዅላዕ ብሉፅ ወርቂ።
1ይ ጴጥሮስ 1:7
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ28 መጋ 2026
ኢያሱ 1:18 · ዳዊት 27:1
27 መጋ 2026
ምሳሌ 11:18 · ማቴዎስ 25:19–21
26 መጋ 2026
ማቴዎስ 2:14–15 · ሮሜ 6:16
25 መጋ 2026
ዕብራውያን 13:5–6 · ዘፍጥረት 28:15
24 መጋ 2026
ዘፍጥረት 15:6 · ሮሜ 4:20–24
23 መጋ 2026
ራእይ 4:8 · ዳዊት 22:3





