2 ሚያ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 3 ሚያዝያ: ግና ኣቱም ፍቑራተይ፥ ብእግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት
ዕለታዊ ብርሃን
ግና ኣቱም ፍቑራተይ፥ ብእግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት፥ ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃና፥ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትረስዑ። ጐይታስ፥ ኵላቶም ናብ ንስሃ ኽበፅሑ እምበር፥ ሓደኳ ኽጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝኾነ።
2ይ ጴጥሮስ 3:8–9
“ሓሳባተይ ከም ሓሳባትኩም፥ መንገድታትኩም ከም መንገደይ ኣይኮነን” ይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዝብል፥ መንገደይ ካብ መንገድታትኩም፥ ሓሳባተይ ከዓ ኻብ ሓሳባትኩም፥ ልዕል ዝበለ እዩ። “ዝናምን በረድን ካብ ሰማይ ከም ዝወርድ፥ እሞ ንምድሪ እውን ከም ዘርውያ፥ ከም ተብቍልን ከም እተፍርን ገይሩ ... ከምኡ ኸዓ፥ እቲ ኻብ ኣፈይ ዝወፅእ ቃለይ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ፤ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ይፍፅም፤ ዝተልኣኸሉውን የስልጥ እምበር፥ ብኸንቱ ናባይ ኣይምለስን።”
ኢሳይያስ 55:8–11
እግዚኣብሄር፥ ምሕረቱ ምእንቲ ንዅሉ ኸርኢ፥ ንዅሎም ኣብቲ ዘይምእዛዝ ዓፅዩዎም እዩ እሞ። ናይ እግዚኣብሄር ሃብቱን ጥበቡን ፍልጠቱን ክንደይ ዓሚቝ እዩ! ንፍርዱ ኽምርምሮ ዝኽእል የለን፤ ንመንገዱውን ክረኽቦ ዝኽእል የለን።
ሮሜ 11:32–33
ንስኻትኩም ከዓ ኻብ ሓዊ ኸም ዝተመንጠለ ትንታግ ኮንኩም።
ኣሞፅ 4:11
ኣብ ፅዮን ዘለዉ ሓጥኣን ፈሪሖም ኣለዉ፤ ንኽፉኣት ሰባት ድማ ራዕዲ ሒዝዎም ኣሎ፤ ካባናኸ ምስ ዝባላዕ ሓዊ፥ ክነብር ዝኽእል መን እዩ? ኻባናኸ ምስቲ ናይ ዘለኣለም ባርዕ፥ ክነብር ዝኽእል መን እዩ?
ኢሳይያስ 33:14
ንምዉታት ብዘተስእ እግዚኣብሄር እምበር፥ ብርእስና ምእንቲ ኸይንተኣማመን፥ ንሕና ባዕልትና ሞት ከም ዝተፈረደና፥ ኣብ ውሽጥና ይስመዐና ነይሩ። ንሱ ንሞት ካብ ዘብፅሕ ሓደጋ ኣድሒኑና እዩ፤ ከድሕነና ድማ እዩ፤ ንዳሕራይውን ከም ዘድሕነና፥ ብእኡ ተስፋ ንገብር ኣለና።
2ይ ቆሮንቶስ 1:9–10
ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ፥ ውህብቶ ፀጋ እግዚኣብሄር ግና፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
ሮሜ 6:23
ኣብ ኢድ እቲ ህያው ዝኾነ ኣምላኽ ምውዳቕ፥ የመና ዘፍርሕ እዩ።
ዕብራውያን 10:31
እምበኣር ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ እንታይ ከም ዝኾነ ስለ እንፈልጥ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:11
ብምችዊ እዋንን ኣብ ዘይምችዊ እዋንን።
2ይ ጢሞቴዎስ 4:2
ንገሊኣቶም፥ ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም፤ ንገሊኣቶም ድማ፥ ነቲ ብትምኒት ስጋኦም ዝረኸሰ ኽዳን እኳ እናፀላእኹም።
ይሁዳ 1:23
ብሓይልን ብብርተዐን ኣይኮነን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ዘካርያስ 4:6
ንሱ፥ ኵሉ ሰብ ክድሕንን፥ ናብ ፍልጠት ሓቂ ኽመፅእን፥ ይፈቱ እዩ እሞ።
1ይ ጢሞቴዎስ 2:4
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ1 ሚያ 2026
ገላትያ 5:22 · ሮሜ 14:17
31 መጋ 2026
ፊልጵስዩስ 4:19 · ማቴዎስ 6:33
30 መጋ 2026
ዘፍጥረት 24:63 · ዳዊት 19:14
29 መጋ 2026
ማቴዎስ 25:34 · ሉቃስ 12:32
28 መጋ 2026
ኢያሱ 1:18 · ዳዊት 27:1
27 መጋ 2026
ምሳሌ 11:18 · ማቴዎስ 25:19–21






