ዕለታዊ ብርሃን, 10 ሚያዝያ: እንሆ፥ ብዓመፃ ተፀነስኩ፤ እነይውን ብሓጢኣት ወለደትኒ

ዕለታዊ ብርሃን

መዓልታዊ ብርሃን
ኩሉ ጽሑፋት

ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም።

እንሆ፥ ብዓመፃ ተፀነስኩ፤ እነይውን ብሓጢኣት ወለደትኒ።

በቲ ኣነ ዝሸለምኩኺ ግርማ፥ እቲ መልክዕኺ ፍፁም ኮይኑ እዩ እሞ፥ ወረኺ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ወፀ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፥ ካባይ ተፈለ በሎ።

ኣቲ ፍቕርተይ ክንደይ ትፅብቒ! ከመይ ዝበልኪ ቘንጆኸ ኢኺ!

ስለዙይ ንርእሰይ እንዕቓ ኣለኹ፤ ኣብ ሓመድን ሓሙዅሽትን ኮይነ እንሳሕ ኣለኹ።”

ኣቲ ፍቕርተይ፥ ኵለንትናኺ ፅብቕቲ ኢኺ፤ ኣበርውን የብልክን።

ኣነ ነቲ ሰናይ ክገብር እናደለኹ፥ ኣብ ልዕለይ እዝ ሕጊ፥ ክፉእ ኣምፂኡለይ ረኸብክዎ።

ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ በሎ።

ሰናይ ንምግባር ደኣ ድልየት ኣለኒ እምበር፥ ሰናይ ግብርስ የብለይን።

ንስኻትኩም ከዓ፥ በቲ ርእሲ ሕልቅነትን ስልጣናትን ዝኾነ ክርስቶስ።

ንእኡ ንሰብኽ ኣለና።

ግና ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብመንፈስ ኣምላኽናን፥ ተሓፂብኩምን ተቐዲስኩምን ፀዲቕኩምን ኢኹም።

ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።

እቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ፥ ብቕድስና ኽነብሩ ዝደልዩ ዅሎም፥ ብርግፅ ክስጐጉ እዮም።

ወዲ ኻብ ኣቦኡ፥ ጓል ካብ እኖኣ፥ መርዓት ካብ ሓማታ፥ ክፈላሊ እየ ዝመፃእኹ። ንሰብ ፀላእቱ፥ ቤተሰቡ ክኾኑ እዮም።

ነዝ ዓለም እዙይ ዘፍቅር፥ ፀላኢ እግዚኣብሄር ይኸውን።

ንዓለም ወይ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ንዓለም ዝፈቱ፥ ኣብኡ ፍቕሪ እግዚኣብሄር የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፥ ፍትወት ስጋ፥ ባህጊ ዓይንን፥ ናይ ናብራ ትምክሕትን፥ ካብ ዓለም እዩ እምበር፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣይኮነን።

“ዓለም እንተ ፀልአኩም፥ ኣቐዲሙ ንኣይ ከም ዝፀልአኒ ፍለጡ። ንስኻትኩም ካብ ዓለም እንተ እትኾኑስ፥ ዓለም ናቱ ዝኾነ ይፈቱ እዩ እሞ፥ ምፈተወኩም ነይሩ፤ ኣነ ኻብ ዓለም ሓረኹኹም እምበር፥ ካብ ዓለም ኣይኮንኩምን፤ ስለዙይ ዓለም ይፀልአኩም ኣሎ። ... ካብ ጐይታኡ ኣይዓብን እዩ’ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክሩ።

ኣነ ቓልካ ሃብክዎም፤ ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኮንኩ፥ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኮኑን እሞ፥ ዓለም ፀልኦም።

ብሰውራዊ ኣእምሮ ተተርጒሙ፣ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተኣቲቶም — ዝኾነ ኣገናዕቲ ክፈቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ንኽትንብቡ።

© Bible Society of Ethiopia

ፎቶ ብኣህመት ዩክሰክ ✪ ኣብ Unsplash (https://unsplash.com/photos/hazy-mountain-peaks-at-sunrise-or-sunset-jUZUTcnJoQw)

ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።