12 ሚያ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 13 ሚያዝያ: ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን፥ ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ
ዕለታዊ ብርሃን
ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን፥ ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ።
ምሳሌ 3:9
እቲ ብውሑድ ዝዘርእ፥ ብውሑድ ከም ዝዓፅድ፥ እቲ ብብዙሕ ዝዘርእ ድማ፥ ብብዙሕ እዩ ዝዓፅድ።
2ይ ቆሮንቶስ 9:6
እቲ ምውፃእ ገንዘብ፥ ኣነ ምስ መፃእኹ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ኣብ ሰሰሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም እቶቱ ኣዋህሊሉ።
1ይ ቆሮንቶስ 16:2
እግዚኣብሄር ቅኑዕ ፈራዲ ስለ ዝኾነ፥ ነቲ ምእንቲ ፍቕሩ ኢልኩም፥ ብስሙ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን፥ እተገልግልዎም ዘለኹምን፥ ስራሕኹም ዝርስዕ ኣይኮነን።
ዕብራውያን 6:10
እምበኣር ኣሕዋተይ፥ ሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስን፥ መስዋእቲ ጌርኩም ክተቕርብዎ፥ ብምሕረት እግዚኣብሄር እልምነኩም ኣለኹ፤ እዙይ ድማ እቲ ግቡእ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።
ሮሜ 12:1
ቤዛ ዅሉ ኸም ዝሞተ፥ ኵላቶም ከዓ ተኻፈልቲ ሞቱ ኸም ዝኾኑ ስለ ዝተረዳእና፥ ፍቕሪ ክርስቶስ ግዲ ይብለና እዩ እሞ። እቶም ብህይወት ዝነብሩ፥ ነቲ ምእንትኣቶም ዝሞተን ዝተስአን እምበር፥ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፥ ክርስቶስ ምእንቲ ዅላቶም ሞተ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:14–15
እምበኣርከስ እንተ በላዕኹም፥ ወይ እንተ ሰተኹም፥ ወይ ዝኾነ ይኹን እንተ ገበርኩም፥ ኵሉ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ግበርዎ።
1ይ ቆሮንቶስ 10:31
ኣፍ ደጌታታ ብመዓልቲ ኸቶ ኣይዕፀዉን እዮም።
ራእይ 21:25
ብርሃንኪ ኣይትኸውንን፤ ወርሒ ኸዓ ብምድማቓ ኣይተብርሀልክን እያ።
ኢሳይያስ 60:19
እታ ኸተማ እቲኣ፥ ፀሓይ ወይ ወርሒ ኸብርሁላ ኣየድልያን፤ ክብሪ እግዚኣብሄር የብርሀላ፥ መብራህታውን፥ እቲ በጊዕ እዩ እሞ።
ራእይ 21:23
ድሕሪ ደጊምስ ለይቲ ኣይኸውንን፤ ብርሃን ቀንዲልን ብርሃን ፀሓይንውን ኣየድልዮምን እዩ።
ራእይ 22:5
ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።
1ይ ጴጥሮስ 2:9
በቲ ግደ ርስቲ ቕዱሳን፥ ብብርሃን ክንሳተፍ ዘብቅዐና ንእግዚኣብሄር ኣብ፥ ክተመስግኑ ንፅሊ ኣለና። ንሱ፥ ካብ ናይ ፀልማት ስልጣን ኣውፅአና፤ ናብታ መንግስቲ ፍቑር ወዱውን ኣእተወና።
ቈላስይስ 1:12–13
ቀደም ፀልማት ኔርኩም ኢኹም፤ ሕዚ ግና፥ ብጐይታና ብርሃን ኢኹም፤ እምበኣር ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ንበሩ።
ኤፌሶን 5:8
ደቂ ለይቲ ወይ ደቂ ፀልማት ኣይኮንናን።
1ይ ተሰሎንቄ 5:5
መንገዲ ፃድቃን ግና ኸም ብርሃን ወጋሕታ እያ፤ ምሉእ መዓልቲ ኽሳዕ ዝኸውን ከዓ፥ እናወሰኸት ትበርህ።
ምሳሌ 4:18
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ11 ሚያ 2026
ምሳሌ 10:19 · ያእቆብ 1:19
10 ሚያ 2026
መሃልየ 1:5 · ዳዊት 51:5
9 ሚያ 2026
ኢሳይያስ 43:1 · ኢሳይያስ 54:4–5
8 ሚያ 2026
1ይ ቆሮንቶስ 1:5 · ሮሜ 5:6
7 ሚያ 2026
2ይ ቆሮንቶስ 6:10 · ሮሜ 5:2–3
6 ሚያ 2026
ዕብራውያን 7:25 · ሮሜ 8:34






