19 ሚያ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 20 ሚያዝያ: ስለዙይ ካብ ማእኸሎም ውፁ (2ይ ቆሮንቶስ 6:17)
ዕለታዊ ብርሃን
ካብቲ ሕሩም ነገር ሓደ እኳ እንተ ዘየልዒልኩም፥ እግዚኣብሄር ካብ ቍጥዓ መዓቱ ኽምለስ እዩ።
ዘዳግም 13:17
“ ‘ስለዙይ ካብ ማእኸሎም ውፁ፤ ዝተፈለኹም ኩኑ’ ይብል እግዚኣብሄር። ‘ርኹስ ኣይትንክኡ።
2ይ ቆሮንቶስ 6:17
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ስለ ዝኾንኩም፥ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዝዋጋእ፥ ስጋዊ ፍትወት ረሓቑ እናበልኩ፥ እልምነኩም ኣለኹ።
1ይ ጴጥሮስ 2:11
ነቲ ብትምኒት ስጋኦም ዝረኸሰ ኽዳን እኳ እናፀላእኹም፥ ንርእስኹምውን እናፈራሕኹም ራህርሁሎም።
ይሁዳ 1:23
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ሕዚ ውሉድ እግዚኣብሄር ኢና፤ እንታይ ከም እንኸውን ከዓ፥ ገና ኣይተገልፀን። ክርስቶስ እንትግለፅ ግና፥ ከምታ ዘለዋ ኽንሪኦ ኢና እሞ፥ ንእኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኢና። ኵሉ ኣብ ክርስቶስ ተስፋ ዝገብር፥ ከምቲ ንሱ ንፁህ ዝኾነ፥ ንባዕሉ የንፅህ።
1ይ ዮሃንስ 3:2–3
ንዅሉ ሰብ ዘድሕን፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ተገሊፁ እዩ እሞ፥ እዝ ፀጋ እዙይ፥ ሓጢኣትን ዓለማዊ ድልየትን ሓዲግና፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ርእስና መሊኽና፥ ብፅድቅን ብመንፈሳዊ ህይወትን፥ ክንነብር ይምህረና። ከምዙይ ኢልና፥ ነቲ ብሩኽ ተስፋና፥ ናይቲ ዓብዪ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሪ ኽግለፅ፥ ንፅበ ኣለና። ንሱ ኻብ ኵሉ ሓጢኣት ሓራ ምእንቲ ኸውፅአና፥ ንሰናይ ግብሪ ዝቐንኡ፥ ንእኡ ዝኾንዎ ህዝቢ ምእንቲ ኸንፅህ፥ ንባዕሉ ቤዛና ኣሕሊፉ ሃበ።
ቲቶ 2:11–14
ኣነ ድማ ‘መን ኢኻ ጐይታይ?’ በልክዎ።
ግብሪ ሃዋርያት 26:15
ኢየሱስ ግና ሽዑ “ኣይዞኹም ኣይትፍርሑ ኣነ እየ” በሎም።
ማቴዎስ 14:27
ብውሽጢ ማያት እንትትሓልፍ፥ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ብውሕጅ እንትትሳገር፥ ኣየስጥመካን እዩ፤ ብማእኸል ሓዊ እንተ ኸድካ ኸዓ፥ ኣየንድደካን እዩ፤ እቲ ነበልባሉውን ኣየቃፅለካን እዩ። ኣነ ናይ እስራኤል ቅዱስ ... መድሓኒኻ እየ።
ኢሳይያስ 43:2–3
ብማእኸል ፅላሎት ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፥ ንስኻ ምሳይ ኢኻሞ ነቲ ኽፉእ ኣይፈርሕን እየ፤ በትርኻን ምርኩስካን ንሳተን የፀናንዓኒ እየን።
ዳዊት 23:4
ትርጕሙ ድማ ‘እግዚኣብሄር ምሳና’ ማለት እዩ ኢሉ ዝተዛረቦ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
ማቴዎስ 1:23
ንሱ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ከድሕኖም እዩ እሞ፥ ስሙ ኢየሱስ ክትብሎ ኢኻ።”
ማቴዎስ 1:21
ሓደኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተ ሃልዩ፥ ኣብ ቕድሚ ኣብ፥ ጠበቓ ኣለና፤ ንሱውን፥ እቲ ፃድቕ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
1ይ ዮሃንስ 2:1
እቲ ዝዅንንከ መን እዩ? እቲ ዝሞተ፥ ካብ ሞት ዝተስአ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ኮይኑውን፥ ምእንታና ዝማልድ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን እዩ? መከራ ድዩ? ጭንቂ ድዩ፥ ስደት ድዩ፥ ጥሜት ድዩ፥ ዕርቃን ድዩ፥ ፍርሓት ድዩ፥ ወይ ሰይፊ? “ምእንታኻ በብመዓልቱ ንቕተል ኣለና፤ ከም ዝሕረዱ ኣባጊዕውን ተቘፀርና” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ እዩ።
ሮሜ 8:34–35
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ18 ሚያ 2026
ዘዳግም 18:18 · ዘዳግም 5:5
17 ሚያ 2026
ዳዊት 50:23 · ቈላስይስ 3:16–17
16 ሚያ 2026
ዳዊት 31:22 · ዳዊት 69:2
15 ሚያ 2026
ኤርሚያስ 50:34 · ኣሞፅ 5:12
14 ሚያ 2026
ዳዊት 63:5–6 · ዳዊት 139:17–18
13 ሚያ 2026
ምሳሌ 3:9 · 2ይ ቆሮንቶስ 9:6






