20 ሚያ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 21 ሚያዝያ: ኣእጋረይ ብመንገዱ ፀንዓ፤ መንገዱውን ሓለኹ (ኢዮብ 23:11)
ዕለታዊ ብርሃን
ሓጐሰይን ኣኽሊለይን ዝኾንኩም ፍቑራት ኣሕዋተይ።
ፊልጵስዩስ 4:1
ኣእጋረይ ብመንገዱ ፀንዓ፤ መንገዱውን ሓለኹ፤ ካብኡውን ኣየግለስኩን።
ኢዮብ 23:11
እግዚኣብሄር ፍርዲ ይፈቱ እዩሞ፥ ነቶም ቅዱሳኑውን ኣይሓድጎምን እዩሞ፥ ንዘለኣለምውን ይሕልዎም።
ዳዊት 37:28
እግዚኣብሄር ካብ ኵሉ ኽፉእ ክሕልወካ እዩ፤ ንነፍስኻውን ኽሕልዋ እዩ።
ዳዊት 121:7
ፃድቕ ግና፥ ብእምነት እዩ ዝነብር፤ ንድሕሪት እንተ ተመለሰ ግና፥ ነፍሰይ ብእኡ ደስ ኣይብላን እዩ” ይብል እዩ እሞ። ንሕና ግና ምስቶም ንድሕሪት ተመሊሶም ዝጠፍኡ ዘይኮንናስ፥ ምስቶም ብእምነት ዝድሕኑ ኢና።
ዕብራውያን 10:38–39
ግና ኻባና ኣይነበሩን። ካባና ነይሮም እንተ ዝኾኑ፥ ምሳና ምነበሩ ነይሮም። ግና ኻባና ኸም ዘይኮኑ ምእንቲ ኽገሃድ ወፁ።
1ይ ዮሃንስ 2:19
ስለዙይ ኢየሱስ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኣይሁድ “ንስኻትኩም ብቓለይ እንተ ፀኒዕኹም፥ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም።
ዮሃንስ 8:31
እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና፥ ንሱ ኽድሕን እዩ።
ማቴዎስ 24:13
ንቕሑ፤ ኣብ እምነትኩም ፅንዑ፤ በርትዑ፤ ጠንክሩ።
1ይ ቆሮንቶስ 16:13
ሓደኳ ኣኽሊልካ ኸይወስደልካ፥ ነቲ ዘለካ ኣፅኒዕኻ ሓዝ።
ራእይ 3:11
እቲ ዝስዕር፥ ከምኡ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ክኽደን እዩ፤ ንስሙውን፥ ካብ መፅሓፍ ህይወት ኣይፍሕቖን እየ። ኣብ ቅድሚ ኣቦይን።
ራእይ 3:5
ሄኖክ ንማቱሳላ ምስ ወለደ።
ዘፍጥረት 5:22
ክልተ ሰባት እንተይተሰማምዑዶ፥ ብሓደ ይኸዱ እዮም?
ኣሞፅ 3:3
እግዚኣብሄር፥ በቲ ወዱ ኣብ መስቀል ... ንስኻትኩም፥ ቀደም ካብ እግዚኣብሄር ዝረሓቕኩም፥ ብሓሳብኩምን ብኽፉእ ግብርኹምን፥ ፀላእቱ ነበርኩም። ንሱ ግና፥ ነውርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ፥ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኸቑመኩም፥ ብሞት ስጋዊ ሰብነት ወዱ ገይሩ ዓረቐኩም።
ቈላስይስ 1:20–22
ንስኻትኩም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኴንኹም፥ ብደሙ ቐረብኩም።
ኤፌሶን 2:13
ንሕና ፀላእቱ እንተለና፥ ምስ እግዚኣብሄር ብሞት ወዱ ተዓረቕና፤ ካብ ተዓረቕና ደኣ፥ ብህይወት ወዱ፥ ክንደይ ብዝበለፀ ዘይንድሕን! እዙይ ጥራሕ ግና ኣይኮነን፤ በቲ ብእኡ ዕርቂ ዝረኸብና ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ጌርና።
ሮሜ 5:10–11
ሕብረትናውን፥ ምስ ኣብን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን እዩ።
1ይ ዮሃንስ 1:3
ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብን።
2ይ ቆሮንቶስ 13:14
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ19 ሚያ 2026
ዮሃንስ 10:7 · ማቴዎስ 27:51
18 ሚያ 2026
ዘዳግም 18:18 · ዘዳግም 5:5
17 ሚያ 2026
ዳዊት 50:23 · ቈላስይስ 3:16–17
16 ሚያ 2026
ዳዊት 31:22 · ዳዊት 69:2
15 ሚያ 2026
ኤርሚያስ 50:34 · ኣሞፅ 5:12
14 ሚያ 2026
ዳዊት 63:5–6 · ዳዊት 139:17–18






