21 ሚያ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 22 ሚያዝያ: ኣነ፥ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ብዘይ ዘኣይ ዘድሕን የለን
ዕለታዊ ብርሃን
እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኻብ ከፍቲ እንተ ኾይኑ፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ይኹን፤ ... ኣብ ርእሲ እቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ክኸውን ኢሉ ዘምፅኦ እንስሳ ኢዱ የንብር፤ ንሱ ሓጢኣቱ ኸስተስርየሉ ቕቡል መስዋእቲ ክኸውን እዩ።
ዘሌዋውያን 1:3–4
እቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን በጊዕስ እግዚኣብሄር ከዳሉ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
ዘፍጥረት 22:8
ዮሃንስ ንኢየሱስ ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአዮ “ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ፥ ናይ እግዚኣብሄር በጊዕ እንሆ!” በለ።
ዮሃንስ 1:29
በቲ ሓንሳዕ ንሓዋሩ ዝኣክል፥ እተሰውአ መስዋእቲ ስጋ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ተቐዲስና ኣለና።
ዕብራውያን 10:10
ከገልግልዎ ኣይመፀን” በሎም።
ማቴዎስ 20:28
ባዕለይ እየ ቤዛ ኣሕሊፈ ዝህባ እምበር፥ ካባይ ዝወስዳስ ሓደኳ የለን፤ ቤዛ ኸሕልፋ፥ መሊሰውን ክወስዳ ስልጣን ኣለኒ።
ዮሃንስ 10:18
ኣነ ንዓመፃኦም ክፍውሶ እየ።
ሆሴዕ 14:4
ምእንታይ ከዓ ንባዕሉ ቤዛ ዝሃበ ወዲ እግዚኣብሄር ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ።
ገላትያ 2:20
ንሕና ብክርስቶስ፥ ተኻፈልቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽንከውን፥ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ንእኡ ከም ሓጢኣት ገበሮ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:21
ምእንቲ ኽምስገን ኢሉ እዩ።
ኤፌሶን 1:6
ምሕረትካ ኣባይ ዓብያ እያሞ፤ ንነፍሰይ ከዓ ኻብ መዓሙቕ ሲኦል ኣድሓንካያ።
ዳዊት 86:13
ነቶም ንስጋ ዝቐትሉ፥ ንነፍሲ ግና ኽቐትልዋ ዘይከኣሎም፥ ኣይትፍርሕዎም።
ማቴዎስ 10:28
ተቤዚወካ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ብስምካ ፀዋዕኩኻ፤ ንስኻ ናተይ ኢኻ። “ኣነ፥ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ብዘይ ዘኣይ ዘድሕን የለን። ኣነ፥ ኣነ እየ ስለ ርእሰይ ኢለ፥ ሓጢኣትካ ዝድምስስ፤ መሊሰ ኸዓ ሓጢኣትካ ኣይዝክርን።”
ኢሳይያስ 43:1, 11, 25
እቶም ብሓይሎም ዝእመኑ፥ ብብዝሒ ሃብቶም ከዓ ዝምክሑ፥ ሓው ንሓዉ ኣየድሕንን፤ ሰብውን ኣየድሕንን። ቤዛኡውን ንእግዚኣብሄር ኣይህብን፤ ንዘለኣለም ክነብር፥ ንጥፍኣትውን ከይርኢ፥ ቤዛ ነፍሳቶም ክቡር እዩሞ።
ዳዊት 49:6–8
ናብ መቓብር ካብ ምውራድ ኣድሕኖ’ እንተ ዝብሎ።
ኢዮብ 33:24
ግና እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ እታ ብኣኣ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፥ ብበደልና ምዉታን እኳ እንተ ነበርና፥ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና።
ኤፌሶን 2:4–5
ብእኡ ኽንድሕን ዝግባእ ካልእ ስም፥ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንደቂ ሰብ ኣይተውሃበን እዩሞ፥ ድሕነት ብኻልእ ከቶ የለን።”
ግብሪ ሃዋርያት 4:12
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ20 ሚያ 2026
ዘዳግም 13:17 · 2ይ ቆሮንቶስ 6:17
19 ሚያ 2026
ዮሃንስ 10:7 · ማቴዎስ 27:51
18 ሚያ 2026
ዘዳግም 18:18 · ዘዳግም 5:5
17 ሚያ 2026
ዳዊት 50:23 · ቈላስይስ 3:16–17
16 ሚያ 2026
ዳዊት 31:22 · ዳዊት 69:2
15 ሚያ 2026
ኤርሚያስ 50:34 · ኣሞፅ 5:12






