17 ሚያ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 18 ሚያዝያ: ከማኻ ዝበለ ነቢይ ኻብ ማእኸል ኣሕዋቶም ከተስአሎም እየ
ዕለታዊ ብርሃን
ከማኻ ዝበለ ነቢይ ኻብ ማእኸል ኣሕዋቶም ከተስአሎም እየ።
ዘዳግም 18:18
ሽዑ ሓዊ ፈሪሕኹም ናብቲ እምባ ስለ ዘይደየብኩም፥ እቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ምእንቲ ኽነግረኩም።
ዘዳግም 5:5
እግዚኣብሄር ሓደ እዩ፤ እቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ሰብን ዘሎ መተዓረቒ ድማ፥ ሓደ እዩ፤ ንሱ ኸዓ፥ እቲ ሰብ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
1ይ ጢሞቴዎስ 2:5
ሙሴ፥ ኣብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ትሕትና ዝመልኦ ሰብ ነበረ።
ዘሑልቍ 12:3
ኣርዑተይ ፁሩ፤ ካባይውን ተምሃሩ፤ ኣነ የዋህ እየ፤ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ፥ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።
ማቴዎስ 11:29
ከምዙይ ከዓ እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበረ ሓሳብ፥ ኣባኻትኩምውን ይሃሉኹም። ንሱ ብባህርዩ ኣምላኽ እኳ እንተ ኾነ፥ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ፥ ከም ምምንዛዕ ኣይቘፀሮን። እኳ ደኣ ሰብ ብምዃን፥ መልክዕ ባርያ ብምውሳድ፥ ብፍቓዱ ንባዕሉ ድኻ ገበረ።
ፊልጵስዩስ 2:5–7
ብዛዕባ እቲ ንሓዋሩ ክኸውን ንዘለዎ ነገራት ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ሙሴ ኣብ ኵላ ቤት እግዚኣብሄር እሙን ኣገልጋሊ ነበረ። ክርስቶስ ግና ኸም ውሉድ፥ ኣብ ልዕሊ ቤቱ እሙን እዩ፤ ነቲ ትብዓትናን፥ እንምክሐሉ ተስፋናን፥ ክሳዕ መወዳእታ ኣፅኒዕና እንተ ሒዝና ድማ፥ ቤቱ ንሕና ኢና።
ዕብራውያን 3:5–6
ሰናይ ተስፋውን ዝሃበና እግዚኣብሄር ኣቦና።
2ይ ተሰሎንቄ 2:16
“ኣነ ግና ነቲ ብዘመን ንእስነትኪ ምሳኺ ዝኣተኹዎ ኺዳን ክዝክሮ፥ ዘለኣለማዊ ኺዳን ከዓ ኸፅንዐልኪ እየ።
ሕዝቅኤል 16:60
እዙይ ከዓ ነቶም ዝቕደሱ፥ ብሓደ መስዋእቲ፥ ንዘለኣለም ፍፁማን ገይሩዎም እዩሞ።
ዕብራውያን 10:14
ስለዙይ ድማ ዅሉ ጊዜ ምእንትኣቶም ክማልድ፥ ንዘለኣለም ህያው ስለ ዝኾነ፥ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም፥ ናብ እግዚኣብሄር ዝመፁ፥ ንዘለኣለም ከድሕኖም ይኽእል እዩ።
ዕብራውያን 7:25
ኣይሓፍርን እየ። ንሱ ኸዓ ነቲ ዝሃብክዎ ሕድሪ፥ ክሳዕ እታ መዓልቲ ጐይታ ኽሕልወለይ ከም ዝኽእል ርግፀኛ እየ።
2ይ ጢሞቴዎስ 1:12
እግዚኣብሄር፥ ብውህብቶኡን ፃውዒቱን፥ ኣይናሳሕን እዩ እሞ።
ሮሜ 11:29
ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን እዩ? መከራ ድዩ? ጭንቂ ድዩ፥ ስደት ድዩ።
ሮሜ 8:35
እቲ ኣብ ማእኸል ዙፋን ዘሎ በጊዕ፥ ክጓስዮም እዩሞ፥ ናብ ዒላታት ማይ ህይወትውን፥ ክመርሖም እዩሞ፤ እግዚኣብሄርውን፥ ካብ ኣዒንቶም፥ ኵሉ ንብዓት ኽሕብሰሎም እዩ” በለኒ።
ራእይ 7:17
ንሓዋሩ ድማ፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና። ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን፥ ንስንሳትኩም ተፀናንዑ።
1ይ ተሰሎንቄ 4:17–18
ብሰንኪ እቲ ሕሱም ጥፍኣት ዘምፅእ ርኽሰት።
ሚክያስ 2:10
ነታ እትመፅእ ደኣ ንፅበ ኣለና እምበር፥ ኣብዙይ ነባሪት ከተማ የብልናን።
ዕብራውያን 13:14
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ16 ሚያ 2026
ዳዊት 31:22 · ዳዊት 69:2
15 ሚያ 2026
ኤርሚያስ 50:34 · ኣሞፅ 5:12
14 ሚያ 2026
ዳዊት 63:5–6 · ዳዊት 139:17–18
13 ሚያ 2026
ምሳሌ 3:9 · 2ይ ቆሮንቶስ 9:6
12 ሚያ 2026
ሮሜ 8:3 · ዕብራውያን 10:1–2
11 ሚያ 2026
ምሳሌ 10:19 · ያእቆብ 1:19






