10 እቲ ዅሉ ምእንታኡ ዅሉውን ብእኡ ዝተፈጥረ፥ ንብዙሓት ውሉድ ናብ ክብሪ ምእንቲ ኸእትዎም፥ ነቲ ናይ ድሕነቶም መራሒ፥ ብመከራ ፍፁም ክገብሮ ተገብኦ።
9 ነቲ ኻብ መላእኽቲ ንቑሩብ ኣንኣስካዮ ተብሂሉ ዝነበረ ኢየሱስ ግና፥ ብምኽንያት ሞቱ ሕዚ ኣኽሊል ክብርን ምስጋናን ደፊኡ ንሪኦ ኣለና። እዙይ ከዓ ንሱ ብፀጋ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ዅሉ ሰብ ስለ ዝሞተ እዩ።
1 እምበኣር ኣቱም ካብቲ ሰማያዊ መፀዋዕታ፥ ተኻፈልቲ ዝኾንኩም ቅዱሳን ኣሕዋትና፥ ናይ እምነትና ሃዋርያን ሊቀ ካህናትን ንዝኾነ ኢየሱስ ተመልከትዎ። 2 ከምቲ ሙሴ ኣብ ኵሉ ቤቱ እሙን ዝነበረ፥ ንሱውን ነቲ ዝሸሞ እሙን ነበረ። 3 ካብቲ ገዛ፥ ነቲ ገዛ ዝሰርሕ ዝበለፀ ኽብሪ ኸም ዘለዎ፥ ከምኡ ኸዓ ኻብ ሙሴ፥ ኢየሱስ ዝበለፀ ኽብሪ ኣለዎ። 4 ንሕድሕድ ገዛ፥ ሰብ ይሰርሖ፤ እቲ ንዅሉ ዝሰርሕ ግና እግዚኣብሄር እዩ። 5 ብዛዕባ እቲ ንሓዋሩ ክኸውን ንዘለዎ ነገራት ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ሙሴ ኣብ ኵላ ቤት እግዚኣብሄር እሙን ኣገልጋሊ ነበረ። 6 ክርስቶስ ግና ኸም ውሉድ፥ ኣብ ልዕሊ ቤቱ እሙን እዩ፤ ነቲ ትብዓትናን፥ እንምክሐሉ ተስፋናን፥ ክሳዕ መወዳእታ ኣፅኒዕና እንተ ሒዝና ድማ፥ ቤቱ ንሕና ኢና።
7 ስለዙይ፥ ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ዝብሎ፥
“ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም፥
8 ከምቲ ኣብ ምድረ በዳ፥ ንእግዚኣብሄር
ክትፈታተንዎ እንተለኹም ምእዛዝ ዝኣበኹምዎ፥
ልብኹም ኣይተትርሩ።
9 ኣብኡ ኣቦታትኩም ተሃላለኹንን ተፈታተኑንን፤
ነርብዓ ዓመት ከዓ ግብረይ ረአዩ።
10 ስለዙይ ነዝ ትውልዲ እዙይ ተቘጣዕኽዎ፤
‘ኵልሻዕ ብልቦም ይስሕቱ፤
ንመንገደይውን ኣይፈለጥዎን’ በልኩ።
11 ብቝጥዓይ ድማ፥
‘ናብ ዕረፍተይ ከቶ ኣይኣትዉን እዮም’
ኢለ መሓልኩ።”
12 ኣሕዋተይ፥ ካባኻትኩም ካብቲ ህያው ዝኾነ እግዚኣብሄር ዘርሕቕ፥ ክፉእን ዘይኣምን ልብን ዘለዎ ሓደኳ ኸይህሉ ተጠንቀቑ። 13 እኳ ደኣ፥ “ሎሚ” ተብሂሉ ዝፅዋዕ መዓልቲ ኽሳዕ ዘሎ፥ ብናይ ሓጢኣት ምትዕሽሻው፥ ናይ ሓደ ሰብ ልቢ እኳ ምእንቲ ኸይተርር፥ በብመዓልቱ ንስንሳትኩም ተመዓዓዱ። 14 ነታ መጀመርታ እምነትና ኽሳዕ መወዳእታ ኣፅኒዕና እንተ ሒዝናያ፥ መዋርስቲ ክርስቶስ ንኸውን። 15 እዙይ ከዓ ኸምቲ፦
“ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም፥
ከምቲ ንእግዚኣብሄር ምእዛዝ ዝኣበኹምዎ፥
ልብኹም ኣይተትርሩ” ዝበሎ እዩ።
16 እቶም ሰሚዖም ምእዛዝ ዝኣበይዎኸ እንመን እዮም? ኵላቶም እቶም ሙሴ ኻብ ግብፂ መሪሑ ዘውፅኦምዶ ኣይኮኑን? 17 ነርብዓ ዓመት ዝተቘጥዖምከ እንመን እዮም? እቶም ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ፥ ሬሳኦም ኣብ ምድረ በዳ ዝወደቐዶ ኣይኮኑን? 18 “ናብ ዕረፍተይ ኣየኣትዉን እዮም” ኢሉ ዝመሓለሎምከ እንመን ድዮም? እቶም ዘይተኣዘዝዎዶ ኣይኮኑን? 19 ብሰንኪ ዘይምእማኖም ክኣትዉ ኸም ዘይከኣሉውን ንርኢ ኣለና።
ዕብራውያን 2:10 · ዕብራውያን 2:9 · ዕብራውያን 3 · ትመ15
ትማሊ ኣብ ዝገበርናዮ ምምስላዊ ሓሳብ፡ ወዲ ኣምላኽ ዝኾነ ሰብ ከም ዝኾነ ርኢና። ኣብ እብራውያን 2 ንምንታይ ሰብ ከም ዝኸውን ብዙሕ ምኽንያታት ተዋሂቡና ኣሎ፡ ግናኸ ሰለስተ ግዜ ብዛዕባ መከራኡ ተጠቒሱ ኣሎ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ፍቕዲ 9 ብዛዕባ መከራኡ ንሓጢኣት ምሕዳግ ርኢና። ኣብዚ፡ ኣብ ፍቕዲ 10፡ ዝተፈላለየ ዓይነት መከራ ቀሪቡልና ኣሎ። ጐይታ የሱስ ከም ሓለቓ፡ ወይ መራሒ ምድሓንና ተጠቒሱ ኣሎ። እዚ ንመሪሕነት ሙሴን ድሕሪኡ ንእያሱን ዝምልከት ይመስል፡ እዚኦም ድማ ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ፡ ብበረኻ ኣቢሎም ናብታ ተስፋ ዝተዋህበቶም ምድሪ ኣምጺኦም። ሎሚ፡ ካብ ሙሴ ዝዓበየ (እብ. 3) ከምኡውን ካብ እያሱ ዝዓበየ (እብ. 4) መራሒ ኣሎና። ጐይታ የሱስ፡ ዓብዪ መራሒና፡ ብዙሓት ኣወዳት ናብ ክብሪ የምጽእ ኣሎ! ግናኸ፡ እቲ ናብ ክብሪ እንበጽሓሉ መዓልቲ ክሳዕ ዝመጽእ፡ ብበረኻ ይመርሓና ኣሎ። እቲ ናይ በረኻ ጉዕዞ ቀሊል ጉዕዞ ድዩ? ንደቂ እስራኤል ቀሊል ጉዕዞ ነይሩ ድዩ? ኣይፋሉን፡ ንሳቶም ኣብ መገዲ ብዙሕ ሽግራት ነይሮምዎም፡ ንኣና እውን፡ ህይወትና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዙሕ ግዜ ብብዙሕ ዓይነት ሽግራትና መከራታት ይወሓጥ።
ኩሉ ሽግራት መገዲ ብምሉኡ ዝፈልጥ መራሒ ምህላውና ክሳዕ ክንደይ ግሩም እዩ። ብመከራ ኣቢሉ ፍጹም ኮነ። እቲ ኣብዚ ዘሎ ቓል ፍጹም፡ ንሓደ ፍሉይ ስራሕ ወይ ቦታ ብቑዕ ምዃን ማለት እዩ። ጐይታ የሱስ ንርእሱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ መከራ ተሰኪሙ፡ ምእንቲ ብቑዕ መራሒ ክኸውን ንኣና ብዛ ዓለም እዚኣ። ተባዕኩም! ዝኾነ ዓይነት መከራ ትረኽቡ እንተኾይንኩም፡ ብእኡ ኣቢሉ ናብ ክብሪ ክመርሓኩም ዝኽእል መራሒ ኣሎና፡ ከመይሲ ንሱ ንርእሱ ኣብዚ መከራ ተሰኪሙ እዩ።